ሱዳን፣ ኣብያ ህዝቢ ሱዳን ኣብ ሮሞዳን ክቕጽል’ዩ

Radio Erena: 05 May 2019

ተቓውሞ ህዝቢ ሱዳን፣ ኣብ እዋን ጾመ ሮሞዳን እውን እንተኾነ ክቕጽል ሙዃኑ ተገሊጹ።

ኣብዚ ዝሓለፈ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ነቲ ተቓውሞ ዝመርሕ ዘሎ ማሕበር ሞያውያን፣ ብዓርቢ 3 ግንቦት ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፣ ኣብ ሱዳን ሲቪላዊ መንግስቲ ስልጣን ክሳብ ዝሕዝ፣ ህዝቢ ጀሚሩዎ ዘሎ ተቓውሞ ከቋርጽ ከምዘይኮነ ገሊጹ።

ወሃብ ቃል’ቲ ማሕበር ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ጽባሕ ሰኑይ ክኣቱ ትጽቢት ዝግበረሉ ጾመ ሮሞዳን፣ ነቲ ተጀሚሩ ዘሎ ተቓውሞ ክዕንቅፎ ከምዘይኮነ ኣፍሊጡ።

ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ንጉዳይ ሱዳን ብዝምልከት ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ፣ ግዚያዊ ስልጣን ሒዙ ዘሎ ወተሃደራዊ ቆንስል ናብ ሲቪላዊ ምምሕዳር ክሰጋገር ናይ ክልተ ኣዋርሕ ግዜ ሂቡዎ ኣሎ።

ወተሃደራዊ ቆንስል ሱዳን ኣብቲ ዝምስረት ሓድሽ ናይ መሰጋገሪ መንግስቲ ዝዓበየ ቦታ ክወሃቦ ክጠልብ እንከሎ፣ ሓይሊ ንናጽነትን ለውጥን ከኣ ብኣንጻሩ፣ ስልጣን ናብ ሲቪላዊ ምምሕዳር ክርከብ እዩ ዝጠልብ ዘሎ።

እዚ ኣብ እዋን ጾመ ሮሞዳን ክካየድ ተመዲቡ ዘሎ ተቓውሞ ህዝቢ ሱዳን፣ ኣብ ዓበይቲ ጎደናታትን መንግስታውያን ቤት ጽሕፈታትን ኮፍ ኢልካ መንገድታት ብምዕጻው ክቕጽል ምዃኑ’ዩ ዝግለጽ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0