ኤርትራ፡ ካብ 19 ክሳብ 27 ነሓሰ ኣብ ዝካየድ ውድድር ሻምፕዮን ኣትለቲክስ ዓለም ክትሳተፍ’ያ

Radio Erena: Tuesday, 15 August 2023

ሃገራዊት ጋንታ ኣትለቲክስ ኤርትራ፡ ካብ ቀዳም19 ክሳብ ሰንበት 27 ነሓሰ 2023፡ ኣብ ሃንጋሪ፣ ከተማ ቡዳፐሽት ኣብ ዝሰላሰል፡ መበል 19 ውድድር ሻምፕዮን ኣትለቲክስ ዓለም ክትሳተፍ ‘ያ።

ኣብ’ዚ ካብ 202 ሃገራት ዝተዋጽኡ፡ 2187 ደቂ’ንስትዮን ደቂተባዕትዮን ኣትሌታት ዝሳተፍሉ ዓቢ ውድድር፡ ኤርትራ 7 ኣትሌታት ክትልእኽ ምዃና፡ ኣህጉራዊ ማሕበር ፈደረሽናት ኣትለቲክስ፡ ብሓሙስ 10 ነሓሰ ኣረጋጊጹ።

ኤርትራ ኣብ ሻምፕዮን ኣትለቲክስ ዓለም ንኽወዳደሩ ናብ ሃንጋሪ እትልእኮም ክልተ ደቂንስትዮ ዝርከብኦም ሸውዓተ ኣትለታት፣ ኦሎምፒካዊት ናዝሬት ወልዱ፡ ኦሎምፒካዊት ዶልሺ ተስፉ፡ ኦሎምፒካዊ ዑቕበ ክብሮም፡ ኦሎምፒካዊ ጐይትኦም ክፍለ፡ መርሃዊ ከሰተ፡ ብርሃነ ጸጋይን መርሃዊ መብራህቶምን’ዮም።

እዞም ኤርትራውያን ኣትለታት ኣብ 3 ዓውድታት ኣትለቲክስ ዝወዳደሩ ኮይኖም፣-
1. መርሃዊ መብራህቱ፡ ኣብ 10 ሽሕ ሜትር
2. ናዝሬት ወልዱን፡ ዶልሺ ተስፉን ማራቶን ደቂንስትዮ
3. ዑቕበ ክብሮም፡ ብርሃነ ጸጋይ፡ ጐይትኦም ክፍለን መርሃዊ ከሰተን ማራቶን ደቂ ተባዕትዮ ክወዳደሩ’ዮም።

ኤርትራ፣ ኣብዚ ውድድር፣ ብጠቕላላ ሽዱሽተ ኣትሌታት ኣብ ማራቶን ክሳተፉ ክትልእኽ እንከላ ኣብ 10 ሽሕ ሜትሪ ግና ሓደ ጥራይ’ዩ።

ኣብ መሳልል ደረጃ ሻምፕዮን ኣትለቲክስ ዓለም፡ መበል 65 ተርታ ተሰሪዓ ዘላ ኤርትራ፡ ብኦሎምፒካዊ ኣትሌት ዘርእሰናይ ታደሰ ኣብ 2009 ኣብ ጀርመን ከተማ በርሊን፣ ኣብ ናይ 10 ሽሕ ሜትሮ ብሩር፣ ብኦሎምፒካዊ ኣትሌት ግርማይ ገብረስላሰ ድማ፡ ኣብ 2015 ኣብ ቻይና ከተማ በይጂንግ ኣብ ውድድር ማራቶን ወርቂ፡ ክልተ ማዳልያታት ኣኪባ ምህላዋ ሰነድ እቲ ውድድር ይጠቕስ።

ስእሊ፣- ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

=============

COMMENTS

WORDPRESS: 0