ኤርትራ፡ ኣብ ኦሊምፒክስ ፓሪስ ዝሓሸ ውጽኢት ንምምዝጋብ፡ ሽዱሽተ ደቂንስትዮ ኣትሌታት ኣብ ኬንያ ኣሰልጢና

RADIO ERENA – Monday, 11 March 2024

ኤርትራ፡ ዓቕሚ ኣትሌታት ደቂንስትዮ ንምዕባይ፡ ሽዱሽተ መንእሰያት ኣብ ኬንያ ከምዘሰልጠነት መርበብ ሓበሬታ ዎርልድ ኣትሌቲክስ ሓቢሩ።

እተን ካብ ወርሒ ሕዳር 2023 ኣትሒዘን፡ ኣብ መሰልጠኒ ማእከል ዝልዓለ ብቕዓት ኣትሌቲክስ ኪፕቾገ ዝተዓለማ ኤርትራውያን ኣትሌታት፡ ኣብ ክሊ ዕድመ 17 ክሳብ 21 ዝርከባየን።

ንሳተን፡ ኣልማዝ ክፍሎም፡ ዲያና ሽሻይ፡ ማርያ ዓሊ ኮተ፡ ኣርያም ሓድሽ፡ ስኒት ሰሎሞንን ፍዮሪ ገብረህይወትን የን ዝብሃላ።

እተን ብኣሰልጣኒት ሸዊት ተስፋገብሪኤል ዝእለያ መንእሰያት፡ ኣብ ኬንያ ናይ 45 መዓልታት ስልጠና ከምዝወሰዳ ዝሓበረ እቲ መርበብ፡ ንብቕዓት ኤርትራውያን ደቂንስትዮ ኣትሌታት ከመሓይሽ ዘለዎ ተኽእሎ ልዑል ምዃኑ ኣሚቱ።

እዘን ኣብ ኬንያ ዝሰልጠና ኤርትራውያን ኣትሌታት፡ ኣብዚ ዓመትዚ ኣብ ፓሪስ ኣብ ዝካየድ ኦሊፒክስን ኣብ ሊማ ኣብ ዝካየድ ሻምፕዮን ኣትሌቲክስ ዓለም ትሕቲ 20 ዓመትን ዓወታት ክጎናጸፋ ትጽቢት ይግበረለን።

ብመሰረት ጸብጻብ ዎርልድ ኣትለቲክስ፡ ኤርትራ ኣብ ታሪኻ ሸውዓተ ደቂንስትዮ ኣትሌታት ኣብ ኦሎምፒክ ከተሳትፍ እንከላ፡ እቲ ዝበዝሐ ዘሳተፈቶ ኣብ ቶክዮ ጌይምስ ኮይኑ ብኣርባዕተ ደቂንስትዮያ ተወኪላ።

ኣብ ሻምፕዮን ኣትሌቲክስ ዓለም፡ ኣብ 2022፡ ኣብ ኦሬጎንኣመሪካ፡ ናዝሬት ወልዱ ኣብ ማራቶን ራብዓይ ደረጃ፡ ራሄል ዳኒኤል ኣብ 10 ሽሕ ሜትሮ ሓሙሻይ ዘመዝገብኦ ውጺታት እቲ ዝበለጸዩ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0