ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ኣብ ኣህጉራዊ መድረኻት ዓወታት ይጎናጸፉ

Radio Erena: Sunday, 28 January 2024

ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ኣሜሪካዊት ዎርልድ ቱር ቲም Lidl – Trek፡ ናትናኤል ተስፋጽዮን፡ ሎሚ ሰንበት 28 ጥሪ ወጋሕታ፡ ኣብ ሃገረ ኣውስራልያ ኣብ ዝተቓንዐ፡ ውድድር ብሽክለታ ክላሲክ Cadel Evans Great Ocean፡ ካልኣይ ደረጃ ብምሓዝ፡ ስሙ ብድሙቕ ኮሊዑ።

ናትናኤል ኣብዚ ተቐዳዳማይ ፈረንሳዊት ዎርልድ ቲም Groupama – FDJ፡ ላውረንስ ፒቲ ብኣዝዩ ጸቢብ ፍልልይ ቀዳማይ ዕዉት ዝኾነሉ፡ 174.3 ኪሎ ሜትር ርሕቐት ዝሸፈነ ውድድር፡ ነዚ 250 ነጥብታት UCI ዝደለበሉ ዘኹርዕ ውጽኢት ዝሓፈሰ፡ ኣንጻር 13 ምስኡ ዝሃደሙ ተቐዳደምቲ ድሕሪ ዘካየዶ ቕልስ ሽኳ እዩ።

ወዲ 24 ዓመት ናቱ፡ ኣብዚ ዕለት ዝሓዞ ደረጃ፡ ኣብ ታሪኹ፡ ኣብ ውድድራት ዎርልድ ቱርዝጨበጦ ዝበለጸ ዓወትን ተርታን እዩ። ንሱ፡ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ኣብ ቅድድም ክላሲክ Down Under ኣብ ዘካየዶ ናይ`ዚ ዓመት ቦኽሪ ውድድሩ፡ ብተመሳሳሊ ካልኣይ ደረጃ ከም ዝሓዘ ዝዝከር ኮይኑ፡ እቲ ውድድር ግን፡ ብዎርልድ ቱርደረጃ ዝዕየር ኣይኮነን።

ኣብዚ ናይ ሎሚ ቅድድም ምስ ዓባይ ጉጅለ ብ24 ካልኢታት ድሒሩ ዝኣተወ፡ ኣባል በልጅዩማዊት ዎርልድ ቱር ቲም Intermarché – Wanty ቢንያም ግርማይ ብወገኑ፡ መበል 22 ተርታ ተሰሪዑ።

ብጀካዚ ተቐዳዳማይ ቱርካዊት ኮንቲነንታል ክለብ Beykoz Belediyesi ናትናኤል ብርሃነ፡ ትማሊ ቀዳም 27 ጥሪ ኣብ ቱርኪ፡ ኣብ ውድድር ክላሲክ Grand Prix Antalya ኣብ ዘካየዶ ቅድድም፡ ካልኣይ ኮይኑ ብምእታው ትርኑዕ ዓወት ኣመዝጊቡ።

እዚ ናይ ትማሊ ውድድር፡ ንናትንኤል ናይዚ ዓወት ፈላሚ ጸወትኡ እዩ።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0