ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ብሽክለታ ኣብ ኤውሮጳ ልዑል ኣተኩሮ ረኺቦም

ከም ጋዜጣታት ለ ሞንድ፣ ሊበራስዮን ለ ኢኩብ፣ 20 ሚኑት…ወዘተ ዝኣመለላ ጋዜጣታት ፈረንሳ፣ ብፍላይ ብዛዕባ’ቲ ምስ ፈረንሳዊት ክለብ ኤሮፕካር ተጸንቢሩ ውድድሩ ብጽቡቕ ዝቕጽል ዘሎ ኤርትራዊ ናትናኤል ብርሃነ ኣምልኪተን ኣብ ዘቕርብኦ ዘለዋ ጸብጻባት፣ ኤርትራ ጎባልል ኣፍሪቃ ጥራይ ዘይኮኑ ጎባልል ዓለም ዝኾኑ ተቐዳደምቲ ናይ ምፍራይ ዓቕሚ ዘለዋ ሃገር ምዃኑ ጠቒሰን።

 

ለ ሪፖብሊካን ሎራን ዝተባህለ ማዕከን ዜና ኣፍሪቃ ኣብ ኮረሻ ብሽክለታ ብዝብል ኣርእስቲ ብቅድሚ ትማሊ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፣ ጎባልል ኣፍሪቃ ዝኾኑ ተቐዳደምቲ ኣፍሪቃ ዓይኒ ዕዳጋ ዓበይቲ ክለባት ዓለም ስሒቦም ምህላዎም ኣፍሊጡ።

ኣብ ዙሩ ቱርኪ ውድድሩ ቀዳማይ ኮይኑ ከምዝተዓወተ ድሒሩ ዝተገልጸ ናትናኤል ብርሃነ፣ ኣብ ኤውሮጳ ብፍላይ ኣብ ዙር ፈረንሳ ዓቢ ቆላሕታ ተጌርሉ ከምዘሎ ተገሊጹ።

ኣብ ካልኦት ዓበይቲ ክለባት ዓለም ተጸንቢሮም ዘለዉ ጃኒ ተወልደን ሜሮን ርእሶምን ከምኡ ድማ ኣብ ስዊዘርላንድ ኣብ ዝልዓለ ስልጠና ኣብ ስዊዘርላንድ ዝርከብ ዳኒኤል ተኽለያማኖት ብደረጃ ዓለም ተጠመቲ ተቀዳደምቲ ውድድር ብሽክለታ ክኾኑ ዝበቕዑ’ዮም።

ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ብመምዘኒ ኣህጉራዊ ማሕበር ቅድድም ብክለታ ኣብ ኣፍሪቃ ቀዳማይ ደረጃ’ያ ሒዛ ትርከብ።

ኣብ ኤርትራ ልዕሊ 650 ተቐዳደምቲ ብስኽለታ ከምዘለዉ ዝፍለጥ ኮይኑ ብፕሮፌሽናል ምስ ዓበይቲ ክለባት ዓለም ተጸንቢሮም ዘለዉ ግና ሽዱሽተ ጥራይ’ዮም።

ኤርትራ ኣዝዮም ብዙሓት ፕሮፌሽናል ተቐዳደምቲ ብሽክለት ናይ ምፍራይ ዓቕሚ ዘለዋ እኳ እንተኾነት ብሰንኪ ዘሎ ሕጽረት መሳርሒታትን ብቑዕ ናይ ምስልጣን ሞያን ግና ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ካብ ሽዱሽተ ተቀዳደምቲ ንላዕሊ ከተፍሪ ከምዘይክኣለት ን ኣቦ መንበር ፈረድርሽን ብሽክለታ ኤርትራ ኣቶ ኣስመሮም ሃብተ ብምጥቃስ ማዕከን ዜና ለ ሪፖብሊካን ሎራን ሓቢሩ።
=============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0