‘ኤርትራዊ ስደተኛ’ ኣብ ፈረንሳ፣ ንነፍሰጾር በዓልቲ ቤቱ ካብ ሓሙሻይ ደርቢ ኣጽዲፉ ቀቲሉዋ

Radio Erena: 20 March 2023

ኣብ ምዕራባዊ ፈረንሳ፣ ኣብ እትርከብ ከተማ ‘ፕዋትየኽ’ (Poitiers)፣ ንነፍሰጾር በዓልቲ ቤቱ ካብ ሓምሻይ ደርቢ ኣጽዲፉ ዝቐተላ ‘ኤርትራዊ’ ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተወ ፖሊስ ኣፍሊጡ።

እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተወልደ ኤርትራዊ ምዃኑ ዝተጠቕሰ ስደተኛ፣ ናይ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ነፍሰጾር ንዝነበረት ኤርትራዊት በዓልቲቤቱ፣ ድሕሪ ሓያል ጭቅጭቕ ብባልኮኒ ደፊኡ ከምዘጽደፋ ከምዝተኣመነ’ዩ ጸብጻብ ፖሊስ ዘመልክት።

በዓልቲ ቤቱ፣ ምስ ካልኦት ትዘውር ኣላ ዝብል ጥርጣረ ዝፈጠረሉ ሓያሎ ቅንኢ፣ ናብ ቆይቕን ጭቕጭቕን ስለዘምርሖ፣ ስምዒቱ ክቖጻጸር ብዘይምኽኣሉ፣ ብ6 መጋቢት፣ ካብ ዝነብርሉ ህንጻ ደፊኡ ከምዘጽደፋ፣ ንዝሃቦ ቃለ ብምጥቃስ፣ ኣኽባር ሕጊ ከተማ ፕዋትየኽ ኣረዲኡ።

ንሳ፣ ካብ ሓሙሻይ ደርቢ ጸዲፋ ናብ መሬት ድሕሪ ምዕላባ፣ ብኡ ንብኡ ከምዝሞተት ኣብቲ ቦታ ዝተረኽቡ ናይ ህጹጽ ረዲኤት ሓካይም ሓቢሮም።

ካብቲ ዕለት እቲ ኣትሒዙ ኣብ ቀይዲ ዝርከብ፣ ስሙ ዘይተጠቕሰ ኤርትራዊ ስደተኛ ኣብ ፈረንሳ፣ ብቕትለት ኣደን ኣብ ማህጸን ዝነበረ ዕሸልን ተኽሲሱ፣ ጉዳዩ ብቤት ፍርዲ ይርአ ኣሎ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar
    Amanuel Hailu 1 year ago

    እዚ ተረኽቦ ከምዝዓይነት አብ ሕብረተሰብ ኤርትራ  ይደጋገም አሎ አብዝተፈላለየ ሃገር  መበገሲኡ ከኣ እት ንሰደት ዝዳረገ ሕብረተሰባዊ ቅልውላው እዩ  PTS/ post traumatic stress or syndrome እት አመጻጽኡ ወይ አፈጣጥርኡ  ብጽዑቕ  መጽናዕት ብስነ አእምሮ ተመራመርት ማለት phsychiatrists መፍትሒ ክርከበሉ ይኽእል እዩ ዝብል ግምት አሎኒ  ብዓብይኡ ግን ግዱሳት ኤርትራውያን አብ ክፍሊ ሕክምና ዝነጥፉ  ተበግሶ ክወስዱ ይምሕጸን