ጸጥታዊ ውሕስነት ቀይሕ ባሕሪ ንምሕያል: ኣህጉራዊ ዓውደ ዘተ ተኻዪዱ

Radio Erena: 19 March 2023

ጸጥታዊ ውሕስነት ቀይሕ ባሕሪ ንምሕያል ዝዓለመ ኣህጉራዊ ዓውደ ዘተ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ተኻዪዱ።

እቲ ብዕለት 15 መጋቢት ኣብ ከተማ ሪያድ ዝተኻየደ ዘተ፣ ወከልቲ ቀይሕ ባሕሪ ዘዋስነን ሃገራት፣ ሕብረት ኤውሮጳ፣ ኣመሪካን ብሪጣንያን፣ ከምኡ’ውን ኣህጉራውያን ክኢላታት’ቲ ዓውዲ ተሳቲፎም።

ወኪል ማዕከን ሓበሬታ ጋልፍ፣ ዶክተር ዓብደልዓዚዝ ሳገር ኣብ መኽፈቲ’ቲ ዘተ ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ ጸጥታዊ ውሕስነት ቀይሕ ባሕሪ፣ ንዘዋስነን ሃገራት ጥራይ ዘይኮነ ኣህጉራዊ ኣገዳስነት ስለዘለዎ፣ ውሕስነቱ ኣብ ምልክት ሕቶ ክኣቱ የብሉን ኢሉ።

ሃገራት ኤውሮጳን ኣመሪካን፣ ጸጥታዊ ውሕስነት ቀይሕ ባሕሪ ንምሕያል ዝተሓባበራሉ መደብ ምሕንጻጽ፣ ናይ መጀመሪያ ደረጃ ምዃኑ፣ ተሳተፍቲ’ቲ ዓውደ ዘተ ተሳማሚዖም።

ቀይሕ ባሕሪ፣ 12 ሚእታዊት ካብ ንግዳዊ መስመራት ዓለም፣ 20 ሚእታዊት ከኣ ንሃገራት ኤውሮጳ ናይ ንግዲ መስመር ምዃኑ ይፍለጥ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0