ኤርትራዊት ስደተኛ: ኣብ ጫካ ዶብ ፖላንድ ሓሪሳ

RADIO ERENA – Monday, 29 April 2024

ዝሓለፈ ሰሙን ሓንቲ ስማ ዘይተጠቕሰ ኤርትራዊት ኣብ ጫካታት ዶብ ፖላንድን ቤላሩስን ከምዝተገላገለት ማዕከናት ዜና ዓለም ገለጸን::

እታ ኤሪትራዊት ነብሰ ጾር ካብ ቤላሩስ ናብ ፖላንድ ክትኣቱ ኣብ ዝፈተነትሉ እዋን ክልተ ግዜ ብሓለዋ ዶብ ፖላንድ ተገፊዓ ከምዝተመልሰትን ኣብ ጫካ ክትሓርስ ከምዝተገደደትን ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ገሊጾም::

ብመሰረት እታ ኤርትራዊት ዝሃበቶ ሓበሬታ: ብጽሕቲ ወርሒ ጥንስቲ ኮይና ክልተ ግዜ ናብ ሓለዋ ዶብ ፖላንድ ብምኻድ ናብ ሆስፒታል ክትከይድ እሞ ኣብኡ ክትገላገል ዶብ ክትሓልፍ ከፍቅዱላ ከምዝሓተተት እንተኾነ ተገፊዓ ከምዝተመልሰት ሓቢራ::

እቶም ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ‘ጥንስቲ ኤርትራዊት ካብ ዶብ ተገፊዓ ክትምለስ መርኣያ መንግስቲ ፖላንድ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዝፍጽሞ ዘሎ ሰብኣዊ ግህሰት ከምዝኾነ ብምግላጽ ነቲ ተግባር ኮኒኖሞ::

እንተኾነ ሚኒስተር ምክትል ውሽጣዊ ጉዳያት ፖላንድ ‘ማሲጅ ዱስዚክ’ ነቲ ‘ሓለዋ ዶብ ጥንስቲ ገፊዖም’ ዝብል ክሲ ብምንጻግ: ብኣንጻሩ ሓለዋ ዶብ ኣደ ምስ ህጻና ኣብ ዶብ ተቐቢሎም ናብ ሆስፒታል ከምዝወሰድዋ ገሊጹ::

ኣብዚ ሕጂ እዋን እታ ኤርትራዊት ኣደ ምስ ህጻና ኣብ ሆስፒታል ናይ ኣብ ዶብ እትርከብ ዓዲ ተዓቒባ ትርከብ::

ናብ ሆስፒታል ክትኣቱ እንከላ ንውላዳ ብናታ ጎልፎ ጠቕሊላቶ ብምምጽኣ እቲ ህጻን ኣዝዩ ቆሪሩ ከምዝነበረን ናብ ‘ኢንኩቤተር’ ከምዝኣተወን ተሓቢሩ::

መንግስቲ ቤላሩስ ምስ ሃገራት ኤውሮጳ ብፍላይ ድማ ኤውሮጳዊ ሕብረት ኣብ ፖለቲካዊ ምትፍናን ዝርከብ ኮይኑ ብመገዲ ቤላሩስ ንኤውሮጳ ብስደተኛታት ከዕለቕልቓ ድሕሪ ምፍካሩ ስደተኛታት ብቐሊሉ ናብ ቤላሩስ ኣትዮም ብዶባት ናብ ሃገራት ኤውሮጳ ክኣትዉ ከምዝገድፎም ተንተንቲ ፖለቲካ ይገልጹ::

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0