ኤርትራን ዚምባብዌን፣ ብሰንኪ ለበዳ ኮረና ቫይረስ፣ ህዝባዊ ጽምብል መዓልቲ ናጽነተን ከካይዳ ዘይክኣላ ክልተ ሃገራት ኣፍሪቃ

Radio Erena: 25 May 2020

ንዝሓለፈ 28 ዓመታት፣ መዓልዊ ናጽነት ኤርትራ፣ ብድሙቕ ህዝባዊ ጽምብል ክብዓል ምጽንሑ ዝፍለጥ’ዩ።

ትማሊ 24 ግንቦት ዝወዐለ መበል 29 ዓመት ናጽነት ኤርትራ ግና፣ ብሰንኪ ለበዳ ኮረና ቫይረስ፣ ህዝቢ ኣብ ገዛውቱ ተሓጺሩ’ዩ ነዛ ዕለት ዘኪሩዋ።

ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝርከብ ህዝቢ ኤርትራ፣ ኣገልግሎት ኢንተርነት ዝተሓረመ ብምዃኑ፣ ነዛ ዕለት፣ ብዘይካ’ቲ ብመንግስቲ ዝውነን ቴሌቭቪዥንን ሬድዮን ዝፍነወሉ መደባት ካልእ ኣማራጺ ከይረኸበ’ዩ ሓሊፉዋ።

ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ኤርትራውያን ዋላ’ኳ ኣብ ክልተ ደምበታት ዝተመቓቐሉ እንተኾኑ፣ ብመንገዲ ማሕበራዊ ሜድያታት፣ ብቀጥታ ብቪድዮ ዝተፈላለየ መደባት’ዮም ዘመሓላልፉ ኔሮም።

ብፍላይ ኣብ ኤርትራ ለውጢ ክመጽእ ዝጠልቡ ወገናት፣ ኣብዚ ዝሓለፉ 29 ዓመታት ናጽነት፣ ኣብ ኤርትራ ዝተኸስቱ ፖለቲካዊ፣ ቁጠባውን ማሕበራውን ፍጻሜታት ክግምግሙን ክነቕፉ ተራእዮም።

ኣብ ኣፍሪቃ፣ ብሰንኪ ለበዳ ኮረና ቫይረስ፣ ህዝባዊ ጽምብል መዓልቲ ናጽነት ከተእንገድ ዘይክኣለት ካልእ ሃገር ዚምባብዌ’ያ።

ዚምባብዌ፣ ኣብ 18 ሚያዝያ ከተካይዶ ዝነበራ መበል 40 ዓመት ህዝባዊ ጽምብል መዓልቲ ናጽነት፣ ከተእንግዶ ከምዘይክኣለት ኣብ እዋኑ ተቓሊሑ’ዩ።

ካብ ዝሓለፈ ሓያሎ ዓመታት ኣትሒዙ፣ ኣብ እዋን ቃልሲ ንናጽነት ዝነበረ መብጽዓታትን ድሕሪ ናጽነት ብግብሪ ዝተረኽበ ፖለቲካዊ፣ ቁጠባውን ውልቃዊን ሓርነት ዘይዛየምድ ዝኾኖም ሓድሽቲ ወለዶታት ኤርትራን ዚምባብዌን፣ ንጽምብል መዓልቲ ናጽነት ብዓይኒ ነቐፌታ ክርእዮ’ዮም ጀሚሮም።።

ኣማኢት ኣሽሓት ዜጋታት ናይዘን ኣብ ተኸታታሊ ኣዋርሕ መዓልቲ ናጽነተን ዝጽምብላ ክልተ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ናብ ጎረባብቲን ካልኦት ሃገራትን እናተሰድዱ’ዮም ህይወቶምን ህይወት ስድራቤታቶም ዝኣልዩ።

==============

COMMENTS

WORDPRESS: 0