ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ ኣብ ዋዕላ ኢጣልያን ኣፍሪቃን ክሳተፋ ዕድመ ቀሪቡለን

ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ ኣብ ዋዕላ ኢጣልያን ኣፍሪቃን ክሳተፋ ዕድመ ቀሪቡለን

Radio Erena: 01 October 2018

Italy FM

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢጣልያ ኤንዞ ሞኣቨሮ ምስ ሚኒስተራ ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ዶክተር ወርቅነ ገበየሁን ብምርኻብ፣ ኣብ ህሉው ምዕባለታት ሰላም ክልትኤን ሃገራት ተዘረራሪቡ።

እቲ ሚኒስተር፣ ጎኒ ጎኒ’ቲ ኣብ ኑውዮርክ ዝካየድ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት ሃገራት፣ ምስ ሚኒስተራት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ዝተራኸበሉ፣ ኢጣልያ ተጀሚሩ ዘሎ መስርሕ ሰላም ክልትኤን ሃገራት ብምድጋፍ፣ ምስዘን ሃገራት ኣብ ልምዓት፣ ትምህርቲ፣ ሞያዊ ስልጠናን ካልእ ጽላታትን ክትተሓጋግዝ ቅርብቲ ከምዘላ ኣፍሊጡ።

ንሱ ኣብቲ ኣጋጣሚ፣ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብቲ ኣብ 25 ጥቅምቲ ዝካየድ ዋዕላ ኢጣልያን ሃገራት ኣፍሪቃ ክሳተፋ ዕድመ ኣቕሪቡ።

ቅድሚ’ዚ ዝካየድ ዋዕላ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢጣልያ፣ ጁሰፐ ኮንተ ናብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ምብጻሕ ክፍጽም ምዃኑ’ዩ ዝግለጽ።

ስደተኛታት ነናብ ዓዶም ንምምላስ ዘኽእላ ሓድሽ ሕጊ ኣጽዲቓ ዘላ ኢጣልያ፣ ዋሕዚ ስደተኛታት ንምግታእ ምስተን ዜጋታተን ብብዝሒ ናብ ስደት ዘምርሑ ዘለዉ ከም ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝኣመሰላ ሃገራት ኣብ ልምዓታዊ ምትሕግጋዝን ምግእታ ስደተኛታትን ዘተኮረ ስምምዓት ንምኽታም’ያ ትሰርሕ ዘላ።

ኣብ ተመሳሳሊ ዜና፣ ጎኒ ጎኒ’ቲ ኣብዚ ኣብ ኒዮርክ ዝካየድ ዘሎ ጉባኤ ሕቡራት ሃገራት፣ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጽኢ ኤርትራ፣ ኢትዮጵያን ጅቡትን’ውን ተራኺቦም፣ ተጀሚሩ ኣብ ዘሎ መስርሕ ሰላም ሰለስቲኤን ሃገራት ተዘራሪቦም።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0