ኣፍሪቃ፣ ኣብዛ ሰዓት እዚ’ኣ፣ ብውሕዱ ኣብ 15 ሃገራት ግጭትን ወረ ግጭን ኣሎ

Radio Erena: 10 November 2020

ኣብዚ እዋን’ዚ፣ ብውሕዱ 15 ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ኣብ ግጭት ዘለዋ ወይ ድማ ስግኣት ግጭት ዘንጸላለወን’የን።

ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ድሕሪ’ቲ ካብ መግዛእቲ ናጻ ዝወጻሉ፣ ኵናት ዘይርኣየት ዳርጋ የላን።

ዓመት መጸ፣ ኵናትን ግጭታትን ክእጎድን፣ ህዝቢ ክሃልቕን ካብ ቤት ንብረቱ ድማ ክመዛበልን ንቡር ትእሪት ናይዛ ኣይህጉር’ዩ።

ዓለምና፣ ለበዳ ኮረና ቫይረስ ንምምካት፣ ብቁጠባ፣ ስነ ፍልጠኣዊ ምርምራት ሕክምናን ካልእን እትረባረበሉ ኣብ ዘላ ግዜ’ውን እንተኾነ፣ ኣፍሪቃ ልማዳ ንዝኾነ ግጭትን ወረ ኵናትን ኣይሓደገትን።

ኣብዚ ሰዓት እዚ፣ ንኤርትራ ሓዊስካ ብውሕዱ 15 ሃገራት እዛ ኣህጉር ኣብ ግጭት ዘለዋ ወይ ድማ ግጭት ዘንጸላለወን’የን።

ብዘይካ ንሒደት ዓመታት፣ ነዚ ዝሓለፈ ልዕሊ 100 ዓመታት ካብ ኵናት ኣዕሪፋ ዘይትፈልጥ ኢትይጵያ፣ ሱዳን፣ ሶማል፣ ኡጋንዳን ደቡብ ሱዳንን ብምብራቕ፣ ማሊ፣ ናይጀርያ፣ ኒጀር፣ ብምዕራብ፣ ማእከላይ ሪፖብሊክ ኣፍሪቃ፣ ቻድን ደሞክራስያዊት ሪፖብሊክ ኮንጎ ኣብ ማእከል፣ ሊብያ ድማ ብሰሜን እተን ብቀረባ ክጥቀሳ ዝኽእላ፣ ኣብ ግጭት ዘለዋ ሃገራት’የን።

ኣብ ከም በዓል ኢትዮጵያ፣ ሶማል፣ ሊብያ፣ ኮንጎን ካልኦትን እቲ ግጭት ብቀጥታ ኣብ ውሽጢ ከርሰን ክካየድ እንከሎ፣ ካልኦት ድማ ካብ ጎረባቲ ሃገራት ዝገንፈለ ጽልዋን ጽላሎትን ኵናት’ዩ።

ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ ዘሎ ግጭታት መብዛሕቱ ብብሄር፣ ቀቢላን ሃይማኖትን ዝተበጋገሰ እኳ እንተኾነ፣ ኣውራ ጠንቑ ግና ናይ ምልኪ ስርዓታት መንግስትን፣ ትካላዊ ኣሰራርሓ ዘይክተል፣ ዘይብዑቕ ምሕደርኦምን ዝፈጠሮ’ዩ።

ኣፍሪቃ፣ ካብ ውግእን ወረ ውግእን፣ ስደትን ምምዝባል ሰባትን፣ ጥሜትን ሰብኣዊ ቅልውላውን ተዕርፈሉ እዋን ይህሉ ዶ ኾ ይኸውን? መዓስ? ተንተንቲ ኣፎም መሊኦም ክምልስዎ ዘይክእሉ፣ ሕንቅልሕንቅሊተን ናይዛ ኣህጉር’ዩ።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0