ኣፍሪቃ፣ ብኮረና ቫይረስ ናይ ዝተለኽፉ ብዝሒ ልዕሊ 1800 በጺሑ

Radio Erena: 26 March 2020

ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ብኮረና ቫይረስ ናይ ዝልከፉ ዘለዉ ብዝሒ ሰባት ካብ ዕለት ናብ ዕለት ይውስኽ ምህላዉ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።

ብፍላይ ኣብ ዝሓለፈ 24 ሰዓታት፣ ኣብ 15 ሃገራት ኣፍሪቃ፣ በቲ ሕማም ናይ ዝተለኽፉ ብዝሒ ሰባት 216 ምብጽሑ ምስፍሕፋሕ እቲ ለበዳ ይንህር ምህላዉ እቲ ውድብ ኣገንዚቡ።

ክሳብ 26 መጋቢት ዝነበረ ዕለት፣ ኣብ ልዕሊ 39 ሃገራት ብሓፈሻ 1808 ሰባት ብኮረና ቫይረስ ክልከፉ እንከለዉ፣ 28 ሰባት ድማ ሞይቶም።

ኣብ ኣፍሪቃ እታ ዝበዝሐ ምልክታት እቲ ለበዳ ዝመዝገበት ሃገራት ደቡብ ኣፍሪቃ ኮይና ዛጊት 709 ሰባት በጺሖም ኣለዉ።

ብኣንጻሩ ዝበዝሐ ሞት ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ዝተራእየላ ሃገራት ኣልጀርያ’ያ።

ኣብ ኣልጀርያ 17 ሰባት ክሞቱ እንከለው 264 ድማ በቲ ሕማም ተለኺፎም።

ዝወሓደ ምልክታት እቲ ሕማም ዝተራእየላ ሃገር ዚምባብዌ ኮይና፣ እቲ ሕማም ካብ ዝነበሮም ክልተ ሰባት እቲ ሓደ ምማቱ እቲ ታ ሃገር ኣፍሊጣ።

ኣብ ኤርትራ ዛጊት ኣርባዕተ ሰባት እቲ ቫይረስ ተረኺብዎም ኣሎ።

ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝበዝሐ ምልክታት እቲ ሕማም ዝተራእያ ኢትዮጵያ ኮይና ዛጊት 12 በጺሑ ይርከብ።

ጂቡቲን ሱዳንን’ውን ምልክታት እቲ ሕማም ዘለዎም ሰባት ከምዝመዝገባ እኳ እንተረጋገጻ ኣብ ኣብዚ ናይ ውድብ ጥዕና ዓለም ጸብጻብ ኣይሰፈራን።

==============

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar

    ብዛዕባ ህዝብና ኣዚና ተሻቒልና ኣለና እሞ
    መታን ኣብ ግዚኡ እኹል ሓበረታ ኽንረኽብ
    እቲ ኣብ ስለዳ ዘሎ ቁጽሪ ዝተጠቕዑ
    ኩሉ ግዜ ከሙኡ ጌርኩም ሓብሬታ ከተፍልጥና ብትሕትን እሓትት