ኮሮና ቫይረስ ኣህጉራዊ ብድሆ ኮይንሉ ኣብ ዘሎ እዋን፣ ኣብ ኣስመራ ስእነት ኣገልግሎታት ማይን ኤሌክትሪን ተወሳኺ ሻቕሎት ይፈጥር

Radio Erena: 26 March 2020

ምስፍሕፋሕ ኮሮና ቫይረስ ኣህጉራዊ ብዶሆ ኮይኑሉ ኣብ ዘሎ እዋን፣ ኣብ ሓያሎ ከባቢታት ኣስመራ ኣገልግሎታት ኤሌክትሪን ማይን ዘይምህላዉ ተወሳኺ ሻቕሎት ፈጢሩ ከምዘሎ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

ህዝቢ ብዛዕባ’ዚ ብልዑል ናህሪ ዝላባዕ ዘሎ ሰዓል መሰል ሕማም፣ ስሩዕን ብዘይምቁራጽን ሓበሬታ ክረኽብ ኣብ ዝህንጠየሉ ዘሎ እዋን፣ ብኣንጻሩ ኣብ ሓያሎ ከባቢታት ኣስመራ ኣገልግሎታት ኤሌክትሪክ ንብዙሕ ሰዓታትን ብተደጋጋሚን’ዩ ከቛርጽ ዝርአ ዘሎ።

ኣብ ርእሲ’ዚ፣ ምስፍሕፋሕ ኮረና ቫይረስ ንምግታእ፣ ህዝቢ ስሩዕ ምሕጻብ ኣእዳው ከዝውተርን ምንቕስቓሳቱ ክድርትን ሰብ ሞያ ጥዕና ይመኽሩ እኳ እንተለዉ፣ ኣብ ርእሰ ከተማ ኣስመራ ግና ብሰንኪ ስእነት ማይ ህዝቢ በራሚል ሰሪዑ ይውዕል ምህላዉ ምንጭታት ኤረና ኣረጋጊጾም።

መንግስቲ፣ ኮሮና ቫይረስ ናብ ኤርትራ ከይኣቱ ጽኑዕ ምቁጽጻር ይገብር ከምዘሎ ኣብ ዝዘርግሖ 3 መምርሒታት ይጠቅስ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0