ኣዲስ ኣበባ፣ ኤርትራውያን ስደተኛታት ጉዳዮም ዘሳልጥሉ ኣብያተ ጽሕፈት UNHRCን ARRAን ምዕጻው ተወሳኺ ሻቕሎት ይፈጥር

Radio Erena: 30 November 2021

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ፣ ኤርትራውያን ስደተኛታት ጉዳዮም ዘሳልጥሉ ኣብያተ ጽሕፈት ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት (UNHRC)ን ጉዳይ ስደተኛታትን ካብ ስደት ተመለስትን ARRAን ምዕጻው ተወሳኺ ሻቕሎት ከምዝፈጠረሎም ኤርትራውያን ወገናት ካብ ኣዲስ ኣበባ ሓቢሮም።

እቲ ኣብያተ ጽሕፈት ካብ ዓርቢ 26 ሕዳር ኣትሒዙ ከምዝተዓጽወ ዘረጋገጹ እቶም ወገናት፣ ኣብ ኢትዮጵያ ወግዓዊ ናይ ስደተኛታት ፍቓድ ተዋሂብዎም ክነብሩ ዝጸንሑ እሞ፣ ብምጥያስ ይኹን ምስ ስድራቤት ንምትእኽኻብ ናብ ሳልሰይቲ ሃገራት ንምውጻእ ኣብ መስርሕ ዝጸንሑ ሓያሎ ኤርትራውያን ጉዳዮም ተሰናኺሉ ምህላው ኣመልኪቶም።

እዘን ክልተ ኣብያተ ጽሕፈት ካብ ስራሕ ምድስካለን፣ ነቶም UNHRC ናብ ሳልሰይቲ ሃገር ንምጥያስ ዕድል ረኺቦም፣ መውጽኢ ቪዛ ጥራይ ክጽበዩ ዝጸንሑ ኤርትራውያን’ውን ጸልዩ ኣሎ።

ምዕጻው እዚ ኣብያተ ጽሕፈት ግዝያዊ’ዩ ዝብል ጽንጽንታ ይስማዕ’ዩ ዝበሎ ነዚ ሓበሬታ ዝልኣኹ ወገናት፣ ብሃንደበት ክዕጾ ዝተወሰነሉ ምኽንያት ግና ክፍለጥ ከምዘይክኣለ ይጠቕሱ።

ላዕለዎት ኮሚተ ጸጥታ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዩጵያ፣ ነተን ጉዳይ ኤርትራውያን ስደተኛታት ከሳልጣ ዝጸንሓ ኣብያተ ጽሕፈት ክዕጸዋ ከምዝወሰነ’ዩ ዝንገር።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ብስም ተዛረብቲ ትግርኛ ዝካየድ ዘሎ ሃንደበታዊ ተፍትሽ፣ ግፋን ማእሰርቲን፣ ንሓያሎ ሰበ ስልጣን ጸጥታን ኣዘዝቲ ፖሊስን መህጠሪ ውልቃዊ ጅቧታቶም ይኸውን ኣሎ ክብሉ እቶም ወገናት ኣሳእል ብምስናይ ኣብ ዝሰደድዎ ተወሳኺ ሓበሬታ ኣገንዚቦም።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0