ኣዲስ ኣበባ፣ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ኣብ ዝቕጽል ዘሎ ግፋ፣ ጓል 73 ዓመት ኤርትራዊት ኣደ ተኣሲረን

Radio Erena: Sunday, 07 January 2024

ሓይልታት ጸጥታትን ፖሊስን ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ብዝቕጽልዎ ዘሎ ግፋ፣ ጓል 73 ዓመት ኤርትራዊት ኣደ ከምዝተኣስራ ምንጭታት ኤረና ካብታ ከተማ ኣረጋጊጾም።

እተን ወይዘሮ ዛህራ ዓብደላ መሓመድ ዓሊ ዝተባህላ ኤርትራዊት ኣደ፣ ኣብ ኤርትራ ፖስፖርት ንምርካብ መስርሕ ስለ ዝነውሐንን ግዜ ስለዝወሰደን፣ ኣብ ኢትዮጵያ ህጹጽ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ንምርካብ፣ ብስግረዶብ፣ ክልላት
ዓፈርን ኣምሓራን ቆራሪጸን ናብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ድሕሪ ምእታወን ‘የን ብፖሊስ ተታሒዘን።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ድማ ኣስታት ሓደ ወርሒ ኣቝጺረን ይርከባ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ጀሚርዎ ዘሎ ግፋ፣ ብዝልዓለ ናህሪ ኣብ ዝቕጽለሉ ዘሎ እዋን፣ ህቡብ ድምጻዊ፣ ዬውሃንስን እስቲፋኖስን ጓሉ ስነጥበባዊት ሰምሃር ዬውሃንስን ዝርከብኦም ስነጥበባውያን፣ ነጋዶን ተራ ስደተኛታትን ይኣስር ምህላዉ ይፍለጥ።

ብዛዕባ’ዚ ንኤርትራውያን ኣነጻጺሩ ዝካየድ ዘሎ ግፋ ዝኾነ መግለጺ ዘይሃበሉ መንግስቲ ኢትዬጵያ፣ ኣብታ ሃገር፣ ብዘይሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ዝነብሩ ዘለዉ ወጻእተኛታት፣ ጉዳዮም ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ከጻርዩን፣ ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ክሕዙን ክፍሊ ኢምግሬሽንን ዜግነትን ብ04 ጥሪ መጠንቐቕታ ኣቕሪቡ ኣሎ።
================

COMMENTS

WORDPRESS: 0