ኣዲስ ኣበባ፡ ጽዑቕ ግፋ ኤርትራውያን ይካየድ ኣሎ

Radio Erena: Friday, 08 December 2023

ኣብ ኢትዮጵያ፡ ከተማ ኣዲስ ኣበባ፡ ዝሓለፈ ሰሙን ዝጀመረ ግፋ ኤርትራውያን ሎሚ ብጻዕቒ ቀጺሉ።

ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ግፋ፡ ሕጋዊ ናይ ስደተኛታት መንበሪ ፍቓድ ዘለዎም ኤርትራውያን ከይተረፉ፡ ‘ጉዳይኩም ክሳብ ዝጻረ’ ተባሂሉ ተኣሲሮም ከምዘለዉ ምንጭታት ራድዮ ኤረና ካብታ ከተማ ኣረጋጊጾም።

ካብቶም ተገፊፎም ተኣሲሮም ዘለዉ ኤርትራውያን፡ ናብ ሳልሳይቲ ሃገር ንምስግጋር መስርሕ ወረቓቕቶም ወዲኦም፡ ናይ ነፋሪት ጉዕዞ ክጽበዩ ዝጸንሑ’ዮም።

ዕላማ እቲ ንኤርትራውያን ስደተኛታት ጥራይ ኣተኲሩ ዝካየድ ዘሎ ግፋ ኣይተነጸረን።

ይኹን’ምበር ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብታ ሃገር ዝኣተዉን ኣብ ዘይሕጋዊ ንጥፈታት ዝተዋፈሩን  ኤርትራውያን ንምህዳን ዝብልዘይተረጋገጸ ወረ ከምዘሎ ሬድዮ ኤረና ካብ ኣዲስ ኣበባ ዝተወከሰቶም ካልኦት ወገናት ይእምቱ።

================= 

COMMENTS

WORDPRESS: 0