ኣዛዚ ሰራዊት ኣመሪካ ኣብ ኣፍሪቃ፣ ናብ ሶማል በጺሑ

Radio Erena: 09 August 2019

ኣዛዚ ሰራዊት ኣመሪካ ኣብ ኣፍሪቃ፣ ጀነራል ስቴፈን ታውንሰንድ ናብ ሶማል በጺሑ።

እቲ ጀነራል ብሮቡዕ 7 ነሓሰ ናብ ሞቛድሾ ኣብ ዝበጽሓሉ፣ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ሶማል ዓሊ ኻይረን ካልኦት ወትሃደራውያን ሰበ ስልጣን ሶማልን ተራኺቡ ተዘራሪቡ።

ኣብቲ ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ ሶማል ዶናልድ ያማማቶ’ውን ዝተረኽበሉ ኣጋጣሚ፣ ኣመሪካ፣ ኣብ ሶማል እተካይዶ ዘላ ምህዳን ሽበራውያን ጉጅለታት ክትቕጽሎ ምዃና፣ እቲ ጀነራል ገሊጹ።

ጀነራል ታውንሰንድ፣ ኣብ 26 ሓምለ’ዩ ኣዛዚ ሰራዊት ኣመሪካ ኣብ ኣፍሪቃ ኮይኑ ተመዚዙ።

ኣመሪካ፣ ኣብዘን ዝሓለፋ ሸወዓተ ዓመታት፣ ኣብ ሶማል እተካይዶ ዘላ ናይ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ፣ ብዝተዓጻጸፈ ብዝሒ ኣዛይዳቶ ከምዘላ ይፍለጥ።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0