ኣዘዝቲ ሓለዋ ዶባት ግብጽን ሱዳንን፣ ዘይሕጋዊ ምስግጋርን መሸጣን ደቂ ሰብ ንምግታእ ክዝትዩ’ዮም

ኣዘዝቲ ሓለዋ ዶባት ግብጽን ሱዳንን፣ ዘይሕጋዊ ምስግጋርን መሸጣን ደቂ ሰብ ንምግታእ ክዝትዩ’ዮም

Radio Erena: February 25, 2014

su eg

ኣብ ዶባትን ሱዳንን ግብጽን ዝካየድ ዘይሕጋዊ ምስግጋርን መሸጣን ደቂ ሰብ ንምግታእ ዝዓለመ ሓባራዊ ዘተ ንምክያድ፣ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ምክትታል ዶባት ናይ ክልቲኤን ሃገራት ኣብ ካርቱም ክራኸቡ’ዮም።

ሚኒስተሪ ምክልኻል ሱዳን ብዛዕባ’ዚ ኣመልኪቱ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ ኣዛዚ ሰራዊት ሓለዋ ዶባት ሜጄር ጀነራል ኣሕመድ ኢብራሂም ዝመርሖ ወትሃደራዊ ልኡኽ ግብጺ፣ ኣብ ዝቀረባ መዓልታት ኣብ ካርቱም ዑደት ብምክያድ፣ ምስ ሱዳናውያን ኣዘዝቲ ሰራዊት ብዛዕባ’ቲ ኣብ ዶባቶም ነጊኑ ዘሎ ምስግጋርን መሸጣን ደቂ ሰብ ብዝምልከት ክዝትዩ ምዃኖም ኣረጋጊጹ።

 

ኣዘዝቲ ሰራዊት ሓለዋ ዶባት ግብጽን ሱዳንን ብዘይካ’ዚ፣ ዶባት ክልቲኤን ሃገራት ካብ ዘይሕጋዊ ምስግጋርን መሸጣን ደቂ ሰብ ናጻ ንምግባሩ፣ ኣብ ሓያሎ ከባቢታት ዶባትን ሓባራዊ ሰራዊት ንምውፋር ብዛዕባ ዘሎ ተኽእሎ ክዘራረቡ ምዃኖም ሚኒስተር ምክልኻል ሱዳን ዓብደልራሒም መሓመድ ሑሰን ገሊጹ።

መብዛሕቶም ኤርትራውያን ዝኾኑ ኣሽሓት ሰባት፣ ካብ ሱዳን ብፍላይ ድማ ካብ መዓስከራት እናተጨውዩ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብ ግብጺ ሲናይ ብምስጋር በዳዌን ይሽየጡን ገንዘብ ክሳብ ዝኽፈለሎም ድማ ጅሆ ተታሒዞም ብዙሕ ግፍዕታት ይወርዶም ምህላዎም ዝፍለጥ’ዩ።

እንተኾነ ግብጽን ሱዳንን፣ ብዛዕባ’ዚ ኣብ ዘመንና ሓደ ካብ ዘስካሕክሕ ግፍዕታት ኣብ ልዕሊ ደቂ ሰብ ምዃኑ ዝንገረሉ ዘይሕጋዊ ምስግጋርን መሸጣን ደቂ ሰብ ንምግታኡ ዘተባብዒ ስጉምቲ ከምዘይወሰዳ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ብትሪ ክነቕፉ ጸኒሖም’ዮም።

እቲ ዜጋታቱ ግዳይ’ዚ ኢሰብኣዊ ተግባራት ዝኾኑ ዘለዎ መንግስቲ ኤርትራ’ውን፣ ንወትሃደራዊ ምኽንያታቱ እንተዘይኮይኑ፣ ነዚ ንምግትኡ ግብራዊ ሰብኣዊ ስግሙቲ ከምዘይወሰደ ይውቐስ።

ሓያሎ ኣዘዝቲ ሰራዊትን ኣባላት ጸጥታን ኤርትራ፣ ሱዳንን ግብጽን’ውን ኣብዚ ንህዝቢ ኤርትራ ከቢድ ስቓይ ፈጢርሉ ዘሎ ጉዳይ ሲናይ ኢድ ከምዘለዎም’ውን እቶም ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ይኸሱ።

ኣብ ሱዳን ዑደት ከካይድ ምዃኑ ዝተገልጸ ላዕለዋይ ወትሃደራዊ ልኡኽ ግብጺ፣ ብዘይካ’ዚ ኣብ ሓያሎ ወትሃደራውያን ጉዳያት እቲ ዞባ ክዝቲ ምዃኑ ይግለጽ።

ብወትሃደራዊ ኣዛዚ ዝምራሕ ግዝያዊ መንግስቲ ግብጺ ካብ ትማሊ ኣትሒዙ ስልጣኑ ብወለንትኡ ከምዝሓደገ እኳ እንተተገልጸ፣ ዑደት እቲ ላዕለዋይ ወትሃደራዊ በዓል ስልጣን ናብ ሱዳን ግና በቲ ተሰሪዕሉ ዘሎ መደብ ክቕጽል ምዃኑ ምንጭታት ዜና ሱዳን ይሕብራ።

=============================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0