ኣብ 2024 ንበጻሕቲ ሓደገኛታት ዝኾና ሃገራት

Radio Erena: Friday, 22 December 2023

ኣብ 2024 ንበጻሕቲ ሓደገኛታት ዝኾና ሃገራት ዓለም ተዘርዚረን።

እቲ ብዓለማዊ ኣማኻሪ ትካል ጥዕናን ጸጥታን ማለት International SOS ዝወጸ መጽናዕቲ፣ ኣፍጋኒስታን፣ ሶርያ፣ ዩክረይን፣ዒራቕ፣ ሊብያን ሶማልያን ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ዓመት እተን ንበጻሕቲ ኣዝየን ሓደገኛታት ዝኾና ሃገራት ብምባል ጠቒስወን።

እቲ ዓመታዊ ዝግበር መጽናዕቲ ዝተፈላለዩ ረቛሒታት ብምግምጋም፣ ንገያሾን ንግድን ብዛዕባ ክህልዉ ዝኽእሉ ሓደጋታት ንምሕባር ዝወጽእ ጸብጻብ`ዩ።

ኣብዚ ዓመት’ዚ ድማ ንመጀመርታ እዋን ጽልዋ ክሊማዊ ለውጢ መሰረት ብምግባር፣ ምውሳኽ ዓለማዊ ሙቐት ኣብ መላእ ዓለም ሓደጋታት ጥዕና ኣብ ዘኸትለሉ ዘሎ እዋን፡ ምስ ክሊማ ዝተኣሳሰር መጠንቀቕታታት ኣሕሊፉ።

ካብቶም ንበጻሕቲ ኣዝየን ውሑሳት ዝተባህላ ሃገራት፣ ግሪንላንድ፣ ፊንላንድ፣ ኖርወይ፣ ኣይስላንድን ሉክሰምበርግን`የን።

ኣብዚ ቀረባ እዋን ብዝተኸስተ ግጭታት ዩክሬንን፣ ሩስያ፣ ሊባኖስ ፣እስራኤል ከም ኡ ውን ዞባ ሳሕል ኣፍሪቃ ዝርከበን ሃገራት ኣብዚ ዓመት`ዚ ተኣፈፍቲ ካብ ዝኾነ ሃገራት ብምባል ኣብ ቅድሚት ሰሪዕወን።

እዚ ብInternational SOS ዝግበር ዓመታዊ መጽናዕቲ ንኩነታት ጸጥታ ሃገራት፣ ሕክምናዊ ኣገልግሎት፣ ረብሻን ዕግርግርን፣ ክሊማዊ ለውጢን ኣብ ጥዕና ነበርቲ ዘስዓቦ ጽልዋን፣ ተኽእሎታት ገበንን ክሳብ ቅትለት ከምኡ ውን ናዕቢ ኣብ ግምት ዘእተወ እዩ።

ካብተን ብዘለወን ድኹም ጸጥታ ኣብ ድሕሪት ዝተሰርዓ ሃገራት ዩክሬን፣ ሶርያ፣ ዒራቕ፣ ኣፍጋኒስታን፣ ሊብያ፣ የመን፣ ደቡብ ሱዳን፣ ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃን ሶማልያን እየን።

ብዘለወን ድኹም ኣገልግሎት ሕክምና ሶርያ፣ ዒራቕ፣ ኣፍጋኒስታን፣ የመን፣ ሰሜን ኮርያ፣ ግዝኣት ፍልስጤም፣ ሃይቲ፣ ሊብያ፣ ኒጀር፣ ቡርኪናፋሶ፣ ጊኒ፣ ጊኒ-ቢሳው፣ ሴራሊዮን፣ ላይበርያ፣ ሱዳን፣ ደቡብ ሱዳን፣ ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ፣ ብሩንዲን ሶማልያን ከምኡ ውን ኤርትራ ይርከበአን።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0