ኣብ ፕሮጀክት ዕደና ኣስመራ ዝነጥፍ ዘሎ ኩባንያ ሳንሪጅ፣ ፍርያቱ ኣብ 2018 ናብ ዕዳጋ ከቕርብ ተስፋ ምህላዉ ኣፍሊጡ

ኣብ ፕሮጀክት ዕደና ኣስመራ ዝነጥፍ ዘሎ ኩባንያ ሳንሪጅ፣ ፍርያቱ ኣብ 2018 ናብ ዕዳጋ ከቕርብ ተስፋ ምህላዉ ኣፍሊጡ

Radio Erena: 07 November 2014

Erimin

ኣብ ፕሮጀክት ዕደና ኣስመራ፣ ዳህሳስን ኩዕታን ዘካይድ ዘሎ ኩባንያ ሳንሪጅ፣ ፍርያቱ ኣብ 2018 ናብ ዕዳጋ ዓለም ከቕርብ ተስፋ ከምዘለዎ ኣፍሊጡ።

እቲ ኣብ ካናዳ ዝመደበሩ ኩባንያ ነዚ ዘመልክት ዘሎ፣ ኣብ ርእሲ’ቲ ኣቐዲሙ ኣብ ከባቢታት እምባደርሆ፣ ዓዲ ንፋስ፣ ጎፖን ድባርዋን ዘካይዶ ዘሎ ፕሮጀክት ዕደና ኣስመራ፣ ኣብ ዓዲ ራእስን ኮዳዱን ኣብ ክልተ ተወሳኺ ከባቢታት ንጥፈታቱ ከምዘስፍሐ ድሕሪ ምሕባሩ’ዩ።

 

ኩባንያ ዕደና ሳንሪጅ፣ መጽናዕታቱ ብምጽፋፍ፣ ንኩዕታ ዘድሊ ትሕተ ቅርጺ ኣብ ምትእትታው ከምዘሎ ብምሕባር ብፍላይ ኣብ ከባቢ እምባደርሆ ዘካይዶ ዘሎ ዕደና፣ ገዚፍ እቶት ክህልዎ ከምዝኽእል ኣሚቱ።

እቲ ንሽዱሽተ ከባቢታት ኣጠቓሊሉ ዘሎ ፕሮጀክት ዕደና ኣስመራ፣ ኣብ 2018 ፍርያቱ ምውጻእ እንተጀሚሩ ንኣስታት 15 ዓመታት ክብርበር ዝኽእል ዑቕር ሃብቲ ከምዘለዎ’ውን ሳንሪንጅ ብሮቡዕ ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ ኣገንዚቡ።
60 ሚእታዊ ፕሮጀክት ዕደና ኣስመራ በቲ ኩባንያ ክውነን እንከሎ እቲ 40 ሚእታዊት ከኣ ብመንግስቲ ኤርትራ፣ ብሃገራዊ ኩባንያ ዕደና ይውነን።

ወርቕን ነሓስን ዝርከቦ ፍርያት ኤርትራ ዝኾነ ማዕድናት ናብ ዕዳጋ ዓለም ክቐርብ ከምዝኸኣለ እኳ እንተተረጋገጸ፣ ኣታዊታት ናይቲ ካብ ማዕድን ዝርከብ ዘሎ ናይ ወጻኢ ሸርፊ ብሚኒስትሪ ፋይናንስ ክመሓደር ኣይከኣለን።

እቶት ሃብቲ ሃገር፣ ብህግደፍ ዝመሓደር ንግዳዊ ትካልን ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንትን ጥራይ ክቖጻጸርዎ፣ ንብልሽውናን ዘይተሓታትነትን ርሒብ ኣፍደገ ክኸፍት ከምዝኽእል ናይ ሓይሎ ኤርትራውያን ሻቕሎት’ዩ።

===========================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0