ኣብ ፈረንሳ ብሉጽ መንእሰይ ዝተሰምየ ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ብሽክለታ መርሃዊ ቅዱስ፣ ኣብ ኢጣልያ’ውን ብቕዓቱ ኣመስኪሩ

ኣብ ፈረንሳ ብሉጽ መንእሰይ ዝተሰምየ ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ብሽክለታ መርሃዊ ቅዱስ፣ ኣብ ኢጣልያ’ውን ብቕዓቱ ኣመስኪሩ

Radio Erena: 25 June, 2014

Mer

ካብ ግዜ ናብ ግዜ ኣብ ቅድድም ብሽክለታ ዓለም ስሙ እናኾለዐ ዝመጽእ ዘሎ፡ ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ደቡብ ኣፍሪቃዊት ክለብ ኤም.ቲኤ.ን. ኩቤካ መርሃዊ ቅዱስ፡ ትማሊ ሰሉስ 24 ሰነ 2014፡ ኣብ ኢጣልያ፡ ኣብ ዝተገብረ 191 ኪሎ ሜትር ዝሸፈነን 1.1 መዐቐኒ ዝነበሮን፡ ቅድድም ብሽክለታ፡ መበል 11 ኮይኑ ውድድሩ ፈጺሙ።

መርሃዊ ቅዱስ፡ ቅድሚ ሳልስቲ ኣብ ውድድር ሮውት ዱ ሱድ ተሸላሚ ጻዕዳ ማልያ ብሉጽ መንእሰይ ብምዃኑ፡ ክለብ ኤም.ቲኤ.ን. ኩቤካ፡ ከም መርኣያ ዕግበታ፡ ኣብ’ዚ ካብ ኖቪ ሊጉረ ክሳብ ጀኖቫ ዝተኻየደ ውድድር፡ ከም መርሒ ጋንታ ገይራ እያ ኣሰሊፋቶ።

 

እዚ ውድድር 4 ተረርቲ ዓቐበት ዝነበሮ ክኸውን ከሎ፡ መርሃዊ ቅዱስ ኣብ ሓንቲ ካብ’ዘን ዓቐበታት ራብዓይ ርእሱ ሃዲሙ ናይ 20 ካልኢታት ፍልልይ ኣንጺፉ ነይሩ። ይኹን እምበር፡ ዓባይ ጉጅለ ኣብ ቁልቁለት ኣርኪባቶም።

ኣብ’ዚ ናይ ትማሊ ውድድር 128 ተቐዳደምቲ ዝተወዳደሩ ክኾኑ ከለዉ፡ ካብዚኦም 45 ተቐዳደምቲ ውድድሮም ከይወድኡ ኣቛሪጾም። ኣብ መወዳእታ፡ 34 ተቐዳደምቲ ኣብ መዛዘሚ ሕንጻጽ ብሓንሳብ ዝበጽሑ ክኾኑ ከለው፡ ብሓባር ኣብ ዘካየድዎ ቅጽበታዊ ውድድር መርሃዊ ቅዱስ መበል 11 ወጽዩ።

ነዚ 4 ሰዓታት 44 ደቒቕን 14 ካልኢትን ዝወሰደ ቅድድም፡ ተቐዳዳማይ ክለብ ባርዲያኒ፡ ኢጣልያዊ ሶኒ ኮልብሬሊ ተዓዊትሉ።

ኣብ’ዚ ውድድር ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ዳንኤል ተኽለሃይማኖት፡ ኣብ ጎኒ መርሃዊ ኮይኑ ክወዳደር መደብ’ኳ እንተነበረ፡ ዝሓለፈ ሰሙን ካብ ኣህጉራዊ ውድድር ዙር ስዊዘርላንድ ካብ ዘጋጠሞ መውደቕቲ ምሉእ ብምሉእ ስለዘይሓወየ ግን፡ ክወዳደር ኣይከኣለን።

===================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0