ኣብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ 2700 ስደተኛታት ድሒኖም

ኣብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ 2700 ስደተኛታት ድሒኖም

Radio Erena: 16 July 2015

2700It

ኤርትራውያን ዝርከብዎም 2700 ካብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ከምዝደሓኑ ሓለዋ ገማግም ባሕሪ ኢጣልያ ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ብሮቡዕ 15 ሓምለ ዝተኻየደ፣ ኣብ 13 ጀላቡ ንዝነብሩ 2 700 ስደተኛታት ናይ ምድሓን ስርሒት፣ ሓይሊ ባሕሪ ጀርመንን ሓካይም ብዘይ ዶባትን’ውን ከምዝተሳተፉ ተሓቢሩ።

ኣቐዲሙ ታጁራ ኣብ ዝተባህለ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ናይ ዝጠሓሉ ኣስታት 100 ሬሳ ከምዝተረኽበ ሰበ ስልጣን ኢሚግሬሽን እታ ሃገር ጠቒሶም’ዮም።

 

ኣብዘን ሽዱሽተ ወርሕን ክልተ ቅነን ብመንገዲ ኢጣልያን ግሪኽን ኣስታት 150 ሽሕ ስደተኛታት ናብ ኤውሮጳ ከምዝኣተዉ ጸብጻባት የረድኡ።

መብዛሕቶም እዞም ብኢጣልያን ግሪኽን ናብ ኤውሮጳ ዝኣትዉ ዘለው ስደተኛታት ዜጋታት ኤርትራ፣ ሶርያ፣ ሶማል፣ ኢትዮጵያ ሱዳንን ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃን’ዮም።

ዋሕዚ ስደተኛታት ኣዛራቢ ኮይንሉ ኣብ ዘሎ እዋን፣ ሕብረት ኤውሮጳ፣ ኣብ ምምቕራሕ እዞም ኣብ ኢጣልያን ግሪኽን ዝርከቡ ስደተኛታት ብዝምልከት ኣብ 20 ሓምለ ኣብ ናይ መወዳእታ ውሳኔ ክበጽሕ ትጽቢት ኣሎ።

================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0