ኣብ ጂዳ ዝካየድ ዘሎ ዘተ ክልቲኦም ተጻረርቲ ሓይልታት ሱዳን፣ ዛጊት ውጽኢት ከምዘይተረኽቦ ተሓቢሩ

Radio Erena: 10 May 2023

ካብ 06 ግንቦት ኣትሒዙ ኣብ ስዑዲ ዓረብ፣ ከተማ ጂዳ ዝካየድ ዘሎ ዘተ ክልቲኦም ተጻረርቲ ሓይልታት ሱዳን፣ ዛጊት ዝኾነ እወታዊ ውጽኢት ከምዘይተረኽቦ፣ ንስዑዳዊ ዲፕሎማሰኛ ብምጥቃስ፣ ኣልጀዚራ ሓቢራ።

እቲ ስሙ ዘይተጠቕሰ ዲፕሎማሰኛ፣ ክልቲኦም ሓይልታት ‘ኣነ’የ ዝዕወት’ ዝብል ስምዒታት ስለዘለዎም፣ ቀዋሚ ስምምዕ ምቝራጽ ቶኽሲ ንምትግባር ቁሩባት ከምዘይኮኑ ኣስሚርሉ።

እቲ ብመንጎኝት ኣመሪካ ተመሪሑ ዝካየድ ዘሎ ዘተ፣ ክዕወት እንተኾይኑ፣ ኣቐዲሙ ስምምዕ ምቑራጽ ቶዅሲ ክትግበር ኣለዎ ዝበለ፣ ኣዘዚ ሰራዊት መንግስቲ፣ ጀነራል ኣልቡርሃን ብወገኑ፣ ኵናት ካብ ካርቱም ወጻኢ ናብ ካልእ ከተማታት ከይልሕንም ኣጠንቂቑ።

ንዝካየድ ዘሎ ኵናት ብዘተን ልዝብን ንምፍታሕ፣ መጀመርያ ቀዋሚ ምቑራጽ ቶዅሲ’ዩ ዘድሊ ዝበለ እቲ ጀነራል፣ ሰራዊት ናይቲ ብጀነራል ዳጋሎ ዝምራሕ ፈጣን ሓይሊ፣ ኣብ መንበሪ ገዛውቲ ኣብ መንጎ ህዝቢ ተሓቢኡ ኵናት የካይዱ ምህላዉ ወቒሱ።

ንሱ ምስ መደበራት ዜና ግብጺ፣ ብቴሌፎን ኣብ ዝገበሮ ቃለ ምልልስ፣ ብዘይካ ኣብ ካርቱም ኣብ ካልእ ክፋል ሱዳን ርጉእ ከምዘሎ ኣረጋጊጹ።

ክልቲኦም ተጻረርቲ ሓይልታት ኣብ ስዑዲ ኣብ ዝዛተይሉ ዘለዉ እዋን፣ ኣብ ከተማ ካርቱም፣ ብነፈርትን ከቢድ ብረትን ዝተሰነየ ጽዕጹዕ ቶኽሲ ይቕጽል ከምዘሎ ኣብታ ከተማ ዝርከቡ ዝተፈላለዩ ወከልቲ ዜና ሓቢሮም።

እቲ ዝካየድ ዘሎ ዘተ፣ ንሰብኣዊ ረድኤት ውሑስ መተሓላለፊ ንምኽፋት ደኣ’ምበር ናብ ስምምዕ ሰላም ንምባጽሕ ከምዘይኮነ ዝጠቐሰ ጀነራል ሓምዳን ዳጋሎ፣ ንመጻርርቱ ጀነራል ኣልቡርሃን ብህይወት ከይሓዘ ወይ ከይቀተለ ኵናት ደው ከምዘይብል ምግላጹ፣ ሮይተርስ፣ ብ07 ግንቦት፣ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ ጠቒሱ።

ስእሊ፦ ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት
===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0