ኣብ ጂቡቲ ተቐዪዶም ዝጸንሑ 19 ኤርትራውያን ምሩኻት ኲናት፣ ናብ ካናዳ ተጣዪሶም

Radio Erena: 01 September 2019
ኣብ ጂቡቲ ተቐዪዶም ዝጸንሑ 19 ኤርትራውያን ምሩኻት ኲናት፣ ናብ ካናዳ ተጣዪሶም።
እቶም ኣብ ወርሒ ግንቦት 2008 ኣብ ከባቢ ራስ ዱሜራ ኣብ መንጎ ኤርትራን ጂቡቲን ኣብ ዝተኻየደ ኲናት ዝተማረኹ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል፤ ብመንግስቲ ጂቡቲ ምሕረት እኳ እንተተገብረሎም፣ ንጸጥታይ የስግኣኒ’ዩ ብምባል ኣብ መቐየዲ መዓስከር እዩ ኣእትዩዎም።
ኣብ ትሕቲ ጽላል ቀይሕ መስቀል ድሕሪ ምጽናሕ ከኣ ኩላቶም ናብ ካናዳ ከምዝተፋነዉ፣ ሓልዮት ንሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ንሬድዮ ኤረና ኣብ ዝሰደዶ መልእኽቲ ኣፍሊጡ።
ብመንጎኝነት ቐጠርን ካልኦት ሃገራት ዓረብን ንኤርትራን ጂቡቲን ብምቅርራብ ዕርቀ ሰላም ክካየድን ምልውዋጥ ምሩኻት ኲናት ክፍጸምን ዝተኻየደ ፈተነ፣ መንግስቲ ኤርትራ ምሩኻት ከምዘለዉዎ ስለዘይተኣመነ እቶም ኤርትራውያን ኣብ ሕሱም ኩነታት እዮም ጸኒሖም።
ብወገን ጂቡቲ ብኤርትራ ዝተማረኹ ወተሃደራት ከምዝነበሩዋ፣ እቶም ኣርባዕተ ብመንጎኝነት ቐጠር ናብ ሃገሮም ክትመልሶም እንከላ፣ ካልኦት ገና ዝተረፉ ከምዘለዉዋ እያ ክትወቅስ ጸኒሓ።
እዞም 19 ኤርትራውያን ምሩኻት ኲናት ነበር ካናዳ ኣብ ዝኣተዉሉ፣ ግቡእ ኣቀባብላ ከምዝተገብረሎምን ህጹጽ ናይ ሕክምና ኣገልግሎት ንዘድልዮም ከኣ ብእዋኑ ክረኽቡ ከምዝኸኣሉ፣ ሓልዮት ንሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ይገልጽ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0