ኣብ ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ሕጋዊ ንግዳዊ ምልልስ ዝካየደሉ ኣርባዕተ ነቑጣታት ክኽፈት’ዩ

ኣብ ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ሕጋዊ ንግዳዊ ምልልስ ዝካየደሉ ኣርባዕተ ነቑጣታት ክኽፈት’ዩ

Radio Erena: 16 January 2019

ኣብ ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ሕጋዊ ንግዳዊ ምልልስ ዝካየደሉ ኣርባዕተ ነቑጣታት ክኽፈት ምዃኑ ኮርፐረሽን ፈወነ ኢትዮጵያ ንኮሚሽን ግምሩኽ ብምጥቃስ ሓቢሩ።

ብመሰረት ሓበሬታ፣ ኣብ መንጎ ክልትኤን ሃገራት ክካየድ ዝጸንሐ ፍኑው ንግዳዊ ልውውጥን ምንቅስቓስ ሰባትን ሕጋዊ መልክዕ ከትሕዝ ትጽቢት ኣሎ።

እዚ ብወገን ኢትዮጵያ ዝስርሓሉ ዘሎ፣ መቑጻጸሪ ነቑጣታት ናይ ምኽፋት መደብ ብወገን ኤርትራ’ውን ተመሳሳሊ መስርሕ ክካየድ ምዃኑ እቲ ጸብጻብ ብተወሳኺ ይጠቕስ።

ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ወርሒ መስከረም ድሕሪ ምኽፋቱ ዝኾነ ቁጽጽር ዘይብሉ ንምንቅስቓስ ሰብን ንብረትን ፍኑው ኮይኑ ምጽንሑ ይፍለጥ።

እንተኾነ መንግስቲ ኤርትራ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣትሒዙ፣ ዝኽዕነ መግለጺ ከይሃበ ንመስመራት ዓዲ ዃላ ራማን፣ ሰንዓፈ ዛላምበሳን ከምዝዓጸዎ ኣይርሳዕን።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ነቲ ፍኑው ዝጸንሐ ዶባት ብሃንደበት ምዕጻውን መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣፍልጦ ከምዘይብሉን ምግላጹን፣ ኣብ ህዝቢ ሻቕሎት ፈጢሩ ጸኒሑ’ዩ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0