ኣብ ደቡብ ሱዳን፣ ካብ ከተማታት ቦርን ባንትዩን ናብ ጁባ ዝገዓዙ ኤርትራውያን፣ ኣብ ጁባ ዝርከቡ ኤርትራውያን ወገናቶም ዝገበረሎም ሓገዝ ኣመስጊኖም

Radio Erena: January 1, 2014

 

ኣብ ደቡብ ሱዳን ከተማታት ቦርን ባንቱን ተዓጊቶም ዝጸንሑ ቆልዓ ሰበይቲ ዝርከብዎም ልዕሊ 200 ኤርትራውያን፣ ብሓገዝ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ናብ ጁባ ድሕሪ ምግዓዞም፣ ኣብ ጁባ ዝጸንሑ ኤርትራውያን ወገናቶም ዝገበርሎም ምትሕግጋዝ ኣመስጊኖም።

እቶም ኣብ ቦርን ባንቱይን ኣብ ዝረብ ቀጽሪ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ተዓቝቦም ዝጸንሑ ኤርትራውያን፣ ንብረቶም ብምሉኡ ተዘሪፉ ጥራይ ኢዶም ናብ ጁባ እኳ እንተኣተዉ፣ ኣብ ጁባ ዝጸንሑ ኤርትራውያን ዝገበርሎም ሓገዝ ግና ንግዚኡ ዝከውን መዕቖብ መግብን ክዳውንትን ክረኽቡ ከምዝኽኣሉ ሓደ ሓደ ካብኣቶም ናብ ሬድዮ ኤረና ንምድዋል ኣረጋጊጾም።

 

ኣብ ደቡብ ሱዳንን ኡጋንዳን ዝርከቡ ኤርትራውያን ንሓድሕዶም ናይ ምትሕግጋዝ ሰናይ ባህልን ልምድን ዘለዎም ኣብ ርእሲ ምዃኑ፣ ብፍላይ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ጸገም ዘርእዩ ቅልጡፍ ግብረ መልሲ ምርኣዮም ኣብ ክንዳና ኮይንኩም ምስጋና ኣብጽሑልና ክብል ኣንገሶም ዝተባህለ ሓደ ካብቶም ካብ ቦር ናብ ጁባ ዝተመልሰ ኤርትራዊ ገሊጹ።

ኣብ ባንቱይን ቦርን ዝነበሩ ኤርትራውያን ዳርጋ ብሙልኦም ናብ ከተማ ጁባ እኳ እንተገዓዙ፣ ኣብ ገዛውቲ ተሓቢኦም ዝተረፉ ቁጽሮም ብንጹር ዘይተፈልጠ ኤርትራውያን ክህልዉ ከምዝኽእሉ ይግለጽ።

=======================================

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0