ኣብ የመን ተዓጊታ ዝጸንሐት መርከብ ናይ ምእላይ መስርሕ ብጽቡቕ ይሰላሰል ከምዘሎ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ

Radio Erena: Monday, 10 July 2023

ነዳዲ ጽዒና፣ ኣብ ክሊ ባሕሪ የመን፣ ን10ዓመታት ኣብ ሰንፈላል ዝጸንሐት ‘FSO Safer’ ዝተባህለት መርከብ ንምእላይ ዝጀመሮ ተበግሶ፡ ብጽቡቕ ይሰላሰል ከም ዘሎ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ።

ሕቡራት ሃገራት፣ ነቲ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን በርሚል ዝግመት ኣብታ መርከብ ተጻዒኑ ዘሎ ዘይተጻረየ ነዳዲ፣ ኣብ ቀረባ ግዜ ከግዕዞ ምዃኑ ገሊጹ ኣሎ።

ኣማኻሪ ርክባት ኣወሃሃዲ ሰብኣዊ ተልእኾ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሩሰል ጌኪ (RUSSELL GEEKIE) ንኣራብ ኒውስ ዝተባህለ መርበብ ዜና፣ ብሰንበት 9 ሓምለ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ነታ መርከብ ብውሑስ መንገዲ ጽዕነታ ንምርጋፍ ዝተገብረ ምድላዋት ጽቡቕ ገስጋስ ከም ዘርኣየ ኣረጋጊጹ።

ነታ መርከብ ንምትካእ ዝተገዝአት ‘ናኡቲካ’ ዝተባህለ ካልእ መርከብ፣ ካብ ወደብ ጁቡቲ ተበጊሳ ኣብ ቀረባ እዋን፡ ናብቲ መርከብ FSO Safer ዘላቶ ክሊ ማይ ከም እትጎዓዝ ዝሓበረ እቲ በዓል መዚ፡ እቲ ነዳዲ ካብ ሓንቲ መርከብ ናብ ካልእ ናይ ምስግጋር መስርሕ ሓንሳብ ምስ ጀመረ፡ ክሳብ ክልተ ሳምንታት ክወስድ ከም ዝኽእል ኣሚቱ።

እንተኾነ፡ ኣብታ መርከብ ተጻዒኑ ዝጸንሐ ነዳዲ ምስ ተራገፈ ‘ውን፡ ኣብ ገንእታታ ተረፍ ነዳዲ ክጸንሕ ከም ዝኽእል ብምሕባር፡ እታ መርከብ ምሉእ ብምሉእ ብውሑስ መንገዲ ክሳብ እትጎሓፍ፡ ኣከባብያዊ ስግኣት ምፍጣራ ከም ዘይተርፍ ‘ዩ ተሓቢሩ።

ነዚ ስግኣት እዚ ንምእላይ ድማ መሻርኽቲ ኣካላት ምወላታቶም ብምዝያድ ብውሑስ መንገዲ ትጎሓፈሉ ሃዋሁ ኣብ ምጥጣሕ ክጓየዩ ሕቡራት ሃገራት ጸዊዑ።

ቅድሚ 47 ዓመታት ዝተሰርሐት መርከብ FSO safer፡ ነዳዲ ጽዒና ካብ ናይ የመን ወደብ ኣብ ዝተበገሰትሉ እዋን፡ ኣብ 2015 ኣብታ ግጭት ብምውልዑ እያ ንዝሓለፈ 8ተ ዓመታት ኣብ ገማግም ባሕሪ ተዓጊታ፣ ኣብ ሰንፈላል ጸኒሓ።

እንተኾነ፡እቲ እታ መርከብ ዝነበረቶ ከባቢ ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻር ሓይልታት ሑቲ ብምእታው፡ ኣብ ግዚኡ ካብቲ ክትግዕዝ ብዘይምኽኣላ፣ ጨው ባሕሪን ብዘስዓበላ ምምራትን ጽገና ብዘይምርካባን፣ ሓያሎ ክፋላታ መሪቱ፣ ነዳዲ ብምልሓዅ፣ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ከቢድ ብከላ ከይተስዕብ ተሰጊኡ’ዩ ጸኒሑ።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0