ኣብ እስራኤል ዝርከቡ ኤርትራውያን ኣብ ቀጽሪ ቤት ማእሰርቲ ሖሎት ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም

ኣብ እስራኤል ዝርከቡ ኤርትራውያን ኣብ ቀጽሪ ቤት ማእሰርቲ ሖሎት ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም

Radio Erena: February 19, 2014

Israel Prison

ኣብ እስራኤል ዝርከቡ ኣሽሓት ኤርትራውያን ከም መቐጸልታ ናይቲ ዘካይድዎ ዘለዉ ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት፣ ኣብቲ ዝተገፉ ብጾቶም ተኣሲሮምሉ ዘለዉ ሖሎት ዝተባህለ ኣብ በረኻ ዝተደኮነ መዓስኮር ብምብጻሕ ሰልፊ ኣካይዶም።

እቲ ትማልን ብቕድሚ ትማልን ኣብ ቀጽሪ ቤት ማኣሰርቲ ሖሎት ዝቐጸለ ሰለማዊ ሰፍሊ ኤርትራውያን ብኻልእ መልክዑ’ውን ገና ክቕጽል ምዃኑ ኣብታ ሃገር ዝርከብ ወኪል ሬድዮ ኤረና ኣረጋጊጹ።

 

መንገስቲ እስራኤል ነቲ፣ ካብ ወርሒ ታሕሳስ ዝጀመረ 10ታት ኣሽሓት ስደተኛታት ዝሳተፍዎ ዘለዉ ሰለማዊ ሰልፍታት፣ ጸማም እዚ ብምሃብ ዝኾነ እወታዊ ለውጢ ከምዘይገበር ይገልጽ እኳ እንተሎ፣ እቶም ስደተኛታት ተስፋ ብዘይምቑራጽ መሰሎም ክሳብ ዝሕለወሎም ክቕጽልዎ ምዃኖም ይገልጹ።

ካብ ወርሒ ጥሪ ኣትሒዙ ስራሕ ደው ብምባል ዝካይድ ዘሎ ተቓውሞ’ውን፣ ሓያሎ ኤርትራውያን ካብ ስራሕ ክባረሩ ስለገበረ ኣብ ርእስቲ’ዚ ዘሎ ናይ መሰል ኩነታት ከቢድ ማሕበራዊ ቅልውላ ፈጢሩ ምህላዉ’ውን በብእዋኑ ዝበጽሓና ሓበሬታ የመልክት።

እዚ ኣሽሓት ኤርትራውያንን ዜጋታት ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃን ኣብ እስራኤል ዘካይድዎ ዘለዉ ሰለማዊ ሰልፊ ኣብ ታሪኽ እታ ሃገር ብዓይነቱ ንመጀመርያ’ዩ።

=============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0