ኣብ ኤርትራ ተኽእሎ ወትሃደራዊ ዕልዋ ኣሎ ዶ? ስርሒት ፎርቶ ኣብ ካልኣይ ዓመቱ

ኣብ ኤርትራ ተኽእሎ ወትሃደራዊ ዕልዋ ኣሎ ዶ? ስርሒት ፎርቶ ኣብ ካልኣይ ዓመቱ

Radio Erena: 16 January 2015

Forto 2 years

     ፖለቲካዊ ባህሊ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ናይተን ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ ፍልይ ዘብሎ ዝመስል ጠባያት ከምዘለዎ ሚኪኤላ ሮንግ ኣብታ I did’t Do It for You እትብል መጽሓፋ ከተንጸባርቆ ፈቲና’ያ። ህዝቢ ኤርትራ ከም ካልኦት ህዝቢታት ኣፍሪቃ ኣብ ጎደናታት ብምውጻእ ናዕብን ዕግርግርን ብምክያድ ንመራሕቱ ናይ ምጭናቕ ልምዲ የብሉን እናተባህለ ብሓያሎ ፖለቲከኛታት ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ። ዋላ’ውን ኣብቲ ዝኸበደ ናይ ምልኪን ጭቖናን እዋናት፣ ካብቶም ዘጨንቕዎ ሓይልታት ብምርሓቕ ሰላሕታዊ ስጉምቲ ምውሳድ’ዩ ዝቐሎ። ነዚ ሰላሕታዊ ስጉምቲ ክውድብ ዝኽእል ሓይሊ እንተተረኺቡ ከኣ ከም ናይ ብረታዊ ቃልሲ ንናጽነት ጎነጻዊ ሓይሊ ክፈጥር ይኽእል።

     ኣብ እዋን መግዛእቲ እንግሊዝ ንፈለማ እዋኑ ዝተራእየን ናይ ሰልፍን ምትእኽኻብን ልምድታት ነዊሕ ከይከደ ብገዛእቲ ኢትዮጵያ ከምዘይህሉ ስለዝተገብረ፣ ነዚ ካብቲ እዋን’ቲ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ንልዕሊ ፍርቂ ዘመን ብሓይሊ ብረትን በትርን ዘምበርክኽዎ መራሕቲ፣ ብሓባር ኣብ ጎደናታት ወጺኡ ከም ባርዕ ጎፍ ከግጥሞም ትብዓት ኣይረኸበን። 

     ድሕሪ’ቲ ኣብ 21 ጥሪ 2013 ብታንኪ ዝተዓጀቡ ኣባላት ሰራዊት ኤርትራ ነቲ ኣብ ፎርቶ ኣስመራ ዝርከብ ሚኒስትሪ ዜና ዝኸበብሉ ዕለት ግና፣ ኣብ ፖለቲካዊ ባህሊ ህዝቢ ኤርትራ ሓደ ፍሉይ ጠባይ ከምዝማዕለ ዝገልጹ ውሑዳት ኣይኮኑንን።

     ብወትሃደራዊ ምልኪ ዝመሓደር መንግስቲ ዝበዝሐ እዋኑ፣ ብወትሃደራዊ ዕልዋታት ስለዝትካእ፣ ኣብ ኤርትራ’ውን ካብዚ ዝፍለ ካልእ ትጽቢት የለን ዝበሉ’ውን ኔሮም።

ኣብ ኣፍሪቃ፣ ኣብዚ 50 ዓመታት ኣብ 26 ሃገራት 67 ወትሃደራዊ ዕልዋታት ምክያዱ ንባዕሉ ሓደ ንጹር ስእሊ ክህብ ይክእል’ዩ። ኣብ መብዛሕትኡ እዋን ምትእትታው ናይ ግዳም ሓይልታት ብፍላይ ናይተን ገዛእቲ ዝነበራ ሃገራት ከም ኣውራ ጠንቒ ዝግለጽ እኳ እንተኾነ፣ ነዚ ነቓዕ ዝፈጥር ግና እቶም መራሕቲ ባዕላቶም’ዮም።

     እታ ዝበዝሐ ወትሃደራዊ ዕልዋታት ዝተኻየደላ ጎረቤት ሃገር ሱዳን ናይዚ ጽቡቕ ኣብነት ክትከውን ትኽእል’ያ። ሱዳን ኣብ መፋርቕ 50ታት ናጽነታ ድሕሪ ምርካባ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ 5 ግዜ ወትሃደራዊ ዕልዋታት ተኻይዱላ። እዚ ንባዕሉ ብወትሃደራዊ ዕልዋ ናብ ስልጣን ዝመጸ ፊልድ ማርሻል ዑመር ሓሰን ኣልበሽር’ውን ካብ ስልጣን ዝእለየሉ እንኮ መንገዲ ዕልዋ ምዃኑ ኣብ መደምደምታ ዝበጽሑ ሱዳናውያን እቶም ዝበዝሑ’ዮም።

     መራሕቲ ስልጣኖም ኣብ ውሱን ግዜ ንኻልእ ናይ ክመርጽን ክምረጽን መሰል ዘለዎ ዜጋ እታ ሃገር ዘሰጋግርሉ ዝኾነ ባይታ እንተዘየሎ፣ እንተስ ውዒሉ እንተስ ሓዲሩ፣ ስልጣን ናብ ካልእ ንምስግጋር ኣብ ዝህሉ ምድፍፋእ ጎነጽ ክሕወሶ ባህርያዊ ይኸውን።

     ናይ ሩስያ ግዝኣታት ዝነበራ ሃገራት ብሕብርታት ዝተገልጸ ሰለማዊ ሰልፍታት ኣብነት ናይቲ ብዘይጎነጽ ክካየድ ዝክእል ሰውራታት ንምዃን በቂዐ’የን። ብዘይጎነጽ ዝካየድ ሰውራታት ኣብ ኩለን ሃገራት ክሰርሕ ይክእል’ዩ ማለት ግና ኣይኮነን።

dict

     ህዝባዊ ናዕብታት፣ ብፍላይ ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃን ሃገራት ዓረብ ዝተራእዩ ናዕብታት ኣብ መወዳእታ ደኣ ካልእ መልክዕ ሒዙ እምበር፣ ኣበጋግስኡ ካብቲ ብወትሃደራዊ ዕልዋታት ክፍጸም ዝክእል ስልጣን ናይ ምምንዛዕ መስርሕ ዝሓሸ ህዝባዊ ውዳበ’ዩ ክብሃል ይከኣል። ፖለቲካዊ ባህሊ ህዝቢ ዓረብ ኣብ ግምት ብምእታው ምስዚ ሕጂ ብስም ሃይማኖት ተደፋፊኡ ዘሎ ምጥርናፋት፣ ኣብ ሃገራት ዓረብ ጎነጽ ዘይተሓወሶ ሰውራ ምክያድ ቀሊል ከምዘይኮነ’ውን ዝትንትኑ ሒደት ኣይኮኑን።

     እንተስ ብጎነጽ እንተስ ብሰለማዊ ሰልፍን ሃብዝዊ ናዕብታትን ወይ ከኣ ከም ንቡር ብምርጫ ስልጣን ካብ ሓደ ዜጋ ናብ ካልእ ዜጋ ዝሰጋገረሉ መስርሕ ቀጻሊን ናይ ግድነትን’ዩ። ሰብ ነባሪ ስለዘይኮነ።

     ካብ ኣቦ ናብ ወዲን ወዲ ወድን ስልጣን ዝተሰጋገረላ፣ ንተሞክሮ ሰሜን ኮርያ እናጠቐሱ፣ ስግኣቶም ዝገልጹ ብዙሓት እኳ እንተለዉ፣ ኣብ ሊብያ ዝተራእየ ሃንደበትን ኣብ ሮማንያ ንዘጋጠመ ንሸውሸስኮ ብሃንደበት ካብ ስልጣኑ ዝኣለየ ዘይተሓስበ ፍጻሜን ከኣ ካልእ ኣንጻር ኣብነታት ናይዚ ክኸውን ይኽእል።

     ህዝቢ ኣብ ዝባኑ ንዝተጻዕኑ መራሕቲ መዓስ ይኣክል ይብሎምን ብኸመይ ኣገባብን ንተሞክሮ ሓያሎ ሃገራት ኣብ ግምት ብምእታው ንምግላጹ’ውን ኣጸጋሚ’ዩ።

     ን24 ዓመታት ንሮማንያ ዝመርሐ ኒኮላይ ሸውሸስኮ፣ ህዝቢ ኣብ ስታድዮም ኣብ ዝተኣከበሉ ሃገራዊ በዓል መደረ ከስምዕ እንከሎ ካብ ማእከል እቲ ስታድዮም ተቓውሞ ክልዓል ይክእል’ዩ ዝብል ግምትትት’ውን ኣይነበሮን። ናይ ታህዲድን ከንቱ መብጽዓታት ዝሓቖፈ መደርኡን እናቐጸለ እንከሎ ግና፣ ኣብ ሓደ ኩርናዕ ናይቲ ስታድዮም ዝተኣኻኸቡ ሒደት መንእሰያት ናይ ጫውጫውታ ድምጺ ኣስሚዖም። እቲ ጫውጫውታ ተራ ድምጺ ስለዝመሰሎ፣ ነቲ ድምጺ ሸለል ብምባል ሸውሸስኮ መደርኡ ንምቕጻል ሓሊኑ። እንተኾነ እታ ብሒደት ድምጺ ዝተበገሰት ጫውጫውያ ናብ የማነ ጸጋም እቲ ኣብ ስታድዮም ዝነበረ ህዝቢ ከም ዋዛ ልሒማ። እቲ ብሓያል ምልኪ ዝልለ ዝነበረ መራሒ ኣብ ቅድሚ እቲ ርዒዱ’ዩ ዝበሎ ህዝቢ ብተቓውሞ ዝድፈር’ውን ኣይመሰሎን። እቲ ተራ ጫውጫውታ ዝመሰል ድምጺ ዝተበገሰ ተቓውሞ ኸኣ ጉህር ሓዊ ኣኪቡ ንሸውሸስኮ መደርኡ ከየስምዐ ብሄሊኮፕተር ክሳብ ምህዳም ኣብጺሕዎ።

     ዝተላዕለ ህዝቢ ዓጋቲ ስለዘይነሮ ግና፣ ነቲ ኣብ ስታድዮም ዝተበገሰ ተቓውሞ ዝተዓዘቡ ኣዘዝቲ ሰራዊት፣ ነቲ መራሒ በታ ዝመጸላ ሄሊኮፕተር ኣቢሎም ናብ ወትሃደዊ ቤት ማእሰርቲ ኣቕኒዖሞ። እቲ ፍጻሜ ንሸውሽስኮ ሕልሚ እምበር ጋህዲ ይመስሎ ኣይነበረን። ንሱን በዓልቲ ቤቱን ኣብ ሓንቲ ጸባብ ክፍሊ ንሳልስቲ ተታሒዞም ድሕሪ ምጽናሕ ከኣ፣ ኣብ ካንሸሎ ብዘይንቡር ኣገባብ ተረሺኖም።

     እቲ ን24 ዓመታት ዘጣቐዓሉ ህዝብን ዝተኣዘዝዎ ሰራዊትን ኣብ ውሽጢ ደቓይቕ፣ ክግልበጥዎ ምርኣይ ኣብ ታሪኽ ሮማንያ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ታሪኽ ኩለንተን ብምልኪ ዝመሓደራ ሃገራት ከም መፈራርሒ ክውሰድ ጸኒሑ’ዩ። ታሪኽ ይርሳዕን ይድገም ስለዝኾነ ግና እንሆ እኳ ሎሚ ካልኦት መራሕቲ ብተመሳሳሊ ኣገባብ ክእለዩ ንዕዘብ ኣሎና።

     ውሑስ ምስግጋር ስልጣን ዘይብሉ መንግስቲ፣ ውሕስነት ገዛእ ነብሱ ጥራይ ዘይኮነ ውሕስነት መላእ ሃገርን ህዝብን ኣብ ሓደጋ ኣእትዩ’ዩ ዝነበረ። ብሰንኪ መለኽቲ ንምእላው ዝብል ምስምስ ግዳያት ወራራት ዝኾና ሃገራት ካብ ዒራቕ ንላዕሊ ዝበጽል ናይ ቀረባ ኣብነት የብልናን።

     ውሑስ ምስግጋር ስልጣን ዘይብሉ መንግስቲ፣ ናይ ሓደ ሰብ መንግስቲ ብምዃኑ’ውን ብጎነጽ ኣብ ዝእለየሉ፣ ትካላዊ ቅርጺ መንግስቲ ፈሪሱ ስለዝጸንሕ ፋሉልነት ናይ ምንጋስ ተኽእሎ ልዑል ምዃኑ ተሞክሮ ሶማል ንሓያሎ ሃገራት ክምህር ክኢሉ’ዩ።

     እዚ ኣቀዲምና ክንጠቕሶ ዝጸናሕና ተሞክሮ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣብ ኤርትራ ከጋጥም ይኽእል’ዩ?

     ኤርትራ ዝተፍለየት ሃገር ስለዝኾነት እዚ ኣብ ሓያሎ ሃገራት ዝተራእየ ዝተፈላለየ ተሞክሮታት፣ ኣብ ኤርትራ ከጋጥም ኣይክእልን’ዩ ንዝብሉ፣ ኣብ ፎርቶ ዝተራእየ ፍጻሜ 21 ጥሪ፣ ሓደ መልእኽቲ’ዩ ኔርዎ።

For

     ኣብ ፍርቶ እንታይ’ዩ ኣጋጢሙ? እንታይ ዕላማ ዝሃዙ ኣዘዝቲ ሰራዊት’ዮም ብሓይሊ ብረት ብፎርቶ ክኸቡዎ ወሲኖም።

     እቲ ፍጻሜ ፈተነ ወትሃደራዊ ዕልዋ’ዩ ንምባል ዘድፍር እኳ እንተዘይነበረ፣ ኣብ ኤርትራ ሰራዊት ንለውጢ ዝደፍእ ረቛሒ ሓይሊ ምዃኑ ግና ብሩህ ስእሊ ሂቡ።

     መንግስቲ ነቲ ናይ ፎርቶ ፍጻሜ፣ ተራ ፍጻሜ’ዩ ኢሉ ከነኣእሶ እኳ እንተፈተነ በቲ ሓደ ሸነኽ ከኣ ምስቲ ዘነኣኣሶ ፍጻሜ ምትእስሳር ኔርዎም ዝበሎም ሚኒስተራት፣ ኣዘዝቲ ሰራዊት ኣመሓደርቲ ዞባታትን ካልኦትን ክኣሰር ተራእዩ።

     ፕረዚደንት ኢሳይያስ፣ ነቲ ኣብ መስኮት ቴሌቪዥን ቀሪቡ ዘነኣኣሶ ናይ ፎርቶ ፍጻሜ፣ ብመንገዲ ካድራቱ ግና ብእስላማዊ ምንቕስቓስ ዝተደፋፍአ’ዩ ከምዝበሎ፣ ተደጋጊሙ ዝሰማዕና’ዩ።

     ናይ ፎርቶ ፍጻሜ እንታይ ዕላማ ኔርዎ ብዘየገድስ ሓደ መልእኽቲ ግና ሂቡና ኣሎ። ሰለማውን ሕጋዊን ዝኾነ ውሑስ ምስግጋር ስልጣን እንተዘየለ፣ ወትሃደራዊ ዕልዋ እቲ ዝቀረበ ተኽእሎ ምዃኑ ዘብርህ ስእሊ።

ዕባይ ኣኽርያ ካብ ጀርመን
ፓሪስ 15-01-15

======================= 

COMMENTS

WORDPRESS: 0