ኣብ ኤርትራ፣ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ወትሃደራት ኢትዮጵያ ታዕሊም ይወስዱ ኣለዉ

Radio Erena: 22 April 2021

ኣብ ኤርትራ፣ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ወትሃደራት ኢትዮጵያ፣ ታዕሊም ይወስዱ ከምዘለዉ ወትሃደራውያን ምንጭታት ሓቢሮም።

እቶም ኣብ ቓጨሮ- ከባቢ ኦምሓጀር፣ ጋሕቴላይ ከባቢ ደማስን ኣፋምቦ ከባቢ ዓሰብን ብተብተብ ስልጠና ይወስዱ ከምዘለዉ ዝተሓበሩ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ወትሃደራት መንግስቲ ኢትዮጵያ መብዛሕትኦም ተወላዶ ኣምሓራ ምዃኖም’ዩ ተመልኪቱ።

ገለ ካብቶም ወትሃደራት፣ ኣባላት ሚሊሻታት ፍሉይ ሓይሊ ክልል ኣምሓራን ዝነበሩ ኮይኖም፣ ናብ ታዕሊም ካብ ዝኣትዉ ኣስታት ሓደ ወርሒ ከምዘቑጸሩ ተሓቢሩ።

ሓደስቲ ኢትዮጵያውያን ተዓላሞ’ውን ብብዝሒ ብመካይን ተጻዒኖም ናብዚ መደበራት ታዕሊም ይኣትዉ ምህላዎም ተፈሊጡ ኣሎ።

ብዝሒ ናይቶም ኣብ ኤርትራ ህጹጽ ታዕሊም ዝወስዱ ዘለው ወትሃደራት ኢትዮጵያ ብንጹር ክፍለጥ እኳ እንተዘይተኻእለ፣ ካብ 8 ሽሕ ክሳብ 10 ሽሕ ክበጽሕ ከምዝኽእል ተገሚቱ።

COMMENTS

WORDPRESS: 5
  • comment-avatar
    Angeb 3 years ago

    ካልእ የብልኩም ድኹም ከላስ ድሕሪ ወያነ ወረ ስኢንኩም

    • comment-avatar
      ኤርትራዊ 3 years ago

      ናይ ብሓቂ ኢኻ ግን ተሕዝን። ንስኻ ዕሱብ ናይ ህግደፍ ኢኻ።

  • comment-avatar

    ነዚ ዲያብሎስ ዝኮነ ስርዓት ካብ መረበትና ነልቅቆ በሓበራ።

  • comment-avatar
    ሳሚ 3 years ago

    ስርዓት ህግድውፍ ንዕላማኡ ክብል ኩሉ ዓይነት ኣጋባባት ፍጻመታት ክፍጽም እዩ

  • comment-avatar
    Tesheme Kidane 3 years ago

    Puppet of the fascist in Asmara & the Amharas.