ኣብ ኢትዮጵያ ኣጋጢሙ ብዘሎ ጸጥታዊ ሃጓፍ፣ ዕጡቓት ቤንሻንጉል፣ 25 ሽሕ ህዝቢ ንዝነብሮ ከባቢ ተቖጻጺሮም

Radio Erena: 23 April 2021

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ሓያሎ ክልላት ኣጋጢሙ ብዘሎ ጸጥታዊ ሃጓፍ፣ ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ንዝቐሳቐሱ ዕጡቓት፣ ደሴሌ ንዝተባህለ ከባቢ ከምዝተቖጻጸሩ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

እቶም ዕጡቓት፣ ካብ ሰኑይ 19 ሚያዝያ ኣትሒዞም ነቲ፣ ኣብ ካማሺ ዝርከብ ከባቢ ተቖጻጺሮሞ ከምዘለዉ እቲ ኮሚሽን ኣብ መግለጺኡ ሓቢሩ።

ኣብቲ ሰዴሌ ኣስታት 25 ሽሕ  ህዝቢ ዝነብር ኮይኑ፣ ዕጡቓት ንምቑጽጻሩ ናብቲ ከባቢ ድሕሪ ምእታዎም፣ ሓይልታት ፖሊስ ዝርከብዎም ኣሽሓት ሰባት ተበታቲኖም ሃዲሞም ይርከቡ።

እቶም ዕጡቓት፣ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምትእስሳር ንዘለዎም ሰባት ይቕትሉን መንበሪ ኣባይቲ የቓጽሉን ከመለዉ፣ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝቖመ ኮሚሽን ሰብኣዊ መስላት እታ ሃገር እኳ እንተገለጸ፣ ብናጻ ኣካል ግና ክረጋገጽ ኣይከኣለን።

ምስ ሱዳን ግብጽን ዘሰሓሕብ ዘሎ ዲጋ ተሃድሶ ዝርከቦ፣ ክልል ቤንሻንጉል ምስ ሱዳንን ደቡብ ሱዳንን ዝዳወብ ኮይኑ ተደጋጋሚ እዋን ናይ ጸጥታ ምፍራስ ኣጋጢምዎ’ዮ።

ብፍላይ ኣብ ዞባ መተክል ዘጋጠመ ምፍራስ ጸጥታን፣ ዝተለዓዓለ ግጭታትን፣ ኣማኢት ሰባት ክቕተሉ እንከለዉ፣ ኣሽሓት ድማ ቤት ንብረቶም ራሕሪሖም ተመዛቢሎም’ዮም።

ኣብ ኵናት ትግራይ ተሸሚሙ ዝርከብ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ክልላት ዓፈርን፡ ሶማል፡ ኣምሓራ፡ ኦሮምያን ቤንሻንጉልን ንዝርአ ዘሎ ምፍራስ ጸጥታ ከረጋግእ ኣይከኣለን።

============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0