‘ኣብ ኣፍሪቃ ናይ ዘሎ ጸገማት ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ኢጋድን ኤኮዋስን’ዮም ተሓተቲ።’ ፕረዚደንት ኢሳይያስ

Radio Erena: Wednesday, 15 November 2023

ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ ናይ ዘሎ ፖለቲካዊ፣ ቁጠባዊ ይኹን ማሕበራዊ ምንቁልቛል፣ ተሓተቲ ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ኢጋድን ማሕበረኮም ቁጠባ ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ ወይ ኤኮዋስን’ዮም ክብል ፕረዚደንት ኤርትራ ኣቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ወቒሱ።

ብ10 ሕዳር ኣብ ሪያድ ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ ስዑዲ ዓረብን ሃገራት ኣፍሪቃን ዝተሳተፈ ፕረዚንት ኢሳይያስ፣ ምስ ሻርቕ ኣል ኣውሰጥ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መጠይቅ፣ ንሕብረት ኣፍሪቃን ዞባውያን ውድባትን፣ ከይተወልዳ ዝሞታ’የን ክብል’ዩ ገሊጹወን።

እዘን ውድባት ብዝፈጠረኦ ድኻማት፣ ህዝብ ሃገራት ኣፍሪቃ ብማእከላይ ባሕሪ እናሰገረ ናብ ሃገራት ኤውሮጳ ብምእታው ግዳይ ምዝመዛ ይኸውን ምህላዉ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ጠቒሱ።

ከም ፈረንሳ ዝኣመሰላ ሃገራት ኣብ ሓያሎ ሃገራት ኣፍሪቃ ምዝመዛ ከካይዳ ምጽንሐን ዘመልከተ እቲ ፕረዚደንት፣ ምስ ሃገራት ምዕራብ ኣብ ዝግበር ዝምድና ልዑል ጥንቓቐታት ከምዘድሊ’ዩ ኣስሚርሉ።

ንሱ ኣብቲ ምስታ ጋዜጣ ዘካየዶ ቃለመጠይቕ ብተወሳኺ፣ ብመንገዲ’ዚ ኣብ ሪያድ ዝተኻየደ ዋዕላ ምስ ስዑዲ ዓረብ ተጀሚሩ ዘሎ ርክባት፣ ብብዙሕ መለክዒታቱ ዝሓሸ ከምዝኸውን ኣንፊቱ።

ንሱ ብተወሳኺ፣ ‘ዞባዊ ይኹን ኣህጉራዊ ርክባት ኣብ ዝካየደሉ፣ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ኣብ ፖለቲካ፣ ጸጥታ፣ ቁጠባ፣ ማሕበራዊን ባህላውን መዳያት ውሻጠና ከነስተኻኽል ኣለና’ ኢሉ።

ንኤርትራ፣ ንልዕሊ 30 ዓመታት ብዘይ ደሞክራስያዊ ምርጫ፣ ቅዋም፣ ስርዓተ ሕጊን ዝመርሕ ዘሎ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ ከም ብልሽውና፣ ዘይብቁዕ ምሕደራን ናይ ግዳም ምትእትታው ዝኣመሰሉ ሓደጋታት ክትኮረሎም ከምዘለዎ’ውን ኣዘኻኺሩ።

እንተኾነ፣ እቲ ፕረዚደንት፣ ንሓደ ካብ ኣውራ፣ ንዜጋታት ተስፋ ብምቑራጽ ናብ ስደት ከምዝውሕዙን፣ መነባብሮ ህዝቢ ከመሓይሽ ዝግብኦ ዘቤታዊ ይኹን ናይ ወጻኢ ወፍርታት ከምዘይህሉን ዝገብር ዘሎ ደረቱ ዝሓለፎ ምልካዊ ስርዓታት እዛ ኣህጉር ከም ጠንቒ’ውን ኣይጠቐሶን።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ፣ ንዝነውሐ ዓመታት ኣብ ስልጣን ካብ ዘለዉ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ምስ ቀዳሞት ሽዱሽተ’ዩ ዝስራዕ።

ኣብ ርእሲ’ዚ ኣብ ኤርትራ፣ ደሞክራስያዊ ምስግጋር ስልጣን ንምትእትታው ይኹን ትካላዊ ኣሰራርሓ መንግስቲ ንኸይህሉ፣ ብሓደ ሰብ ዝምራሕ ምልካዊ ስርዓት ብምትካልን ኣብ ቀጻሊ ኵናት ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ብምእታውን፣ ምስሊ ሃገርን ህዝቢን ደዊኑ ምህላዉ ዝተፈላለዩ ኤርትራውያን ደለውይቲ ለውጢ ይወቕሱ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0