ኣብ ኣመሪካ ኣብ ዝተኻየደ ሻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ፣ ብዝሒ ኤርትራውያን ደገፍቲ ተናኢዱ

ኣብ ኣመሪካ ኣብ ዝተኻየደ ሻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ፣ ብዝሒ ኤርትራውያን ደገፍቲ ተናኢዱ

Radio Erena: 28 September 2015

caycling Fun

ኣብ ቪርጂንያ፣ ሪችሞንድ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፣ ኣብ ዝተኻየደ ሻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ዓለም ንዝተሳተፈት ጋንታ ኤርትራ፣ ንምድጋፍ ዝተረኽቡ ብዝሒ ኤርትራውያን፣ ዜጋታት እዛ ሃገር ቅድድም ብሽኽለታ ንዘለዎም ፍቕሪ ዘጉልሕ ምዃኑ ማዕከናት ዜና ስፖርት ጠቒሰን።

ንብዝሒ ኤርትራውያን ደገፍቲ ቅድድም ብሽክለታ ብዝምልከት ኣብ ዓምዳ ዘስፈረት መርበብ ሓበሬታ ሳይክሊን ዊክሊ’ውን “ቅድድም ብሽክለታ ሃገራዊ ስፖርት ኤርትራ’ዩ” ክትብል ገሊጻቶ።

ቅድድም ብሽክለታ ምስ መግዛእቲ ኢጣልያ ናብ ኤርትራ ዝኣተወን፣ ን10ታት ዓመታት ዝቐጸለን እኳ እንተኾነ ኮይኑ፣ ድሕሪ’ዚ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ኣብ ኣህጉራዊ ቅድድማት ዘመዝግብዎ ዘለዉ ዓወታት፣ ሓድሽ መንፈስ ፍቕሪ ብሽክለታ ኣበራቢሩ ይርከብ።

 

ብፍላይ ድሕሪ’ቲ ብዳኒኤል ተኽልሃይማኖት ኣብ ዙር ፈረንሳ ዝተመዝገበ ዓወት፣ ኤርትራውያን ንቅድድም ብሽክለታ ኣተኩሮ ክህብዎ ከምዝጸንሑን ኣብዚ ኣብ ኣመሪካ ዝተኻየደ ቅድድም ሻምፕዮና ዓለም ከኣ፣ ንደቂንስትዮን ደቂተባዕትዮን ዝሓቖፈት ጋንታ ኤርትራ ንምድጋፍ ኣዝዮም ብዙሓት ኤርትራውያን ባንዴራ ኤርትራን ኣሳእል ህቡባት ተቐዳደምቲን ብምልዓል ከምዝተረኽቡን ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።

ሻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ዓለም ካብ 19 ክሳብ 27 መስከረም’ዩ ተኻይዱ።

=============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0