ኣብ ኢትዮጵያ ዑደት ዘካየድ ዝነበረ ፕረዚደንት ሶማልያ፣ ብሰንኪ ቅትለት ሓደ ካብ ሚኒስተራቱ ዑደቱ ኣቛሪጹ

Radio Erena: 04 May 2017

Somali Min

ኣብ ኢትዮጵያ ዑደት ዘካየድ ዝነበረ ፕረዚደንት ሶማልያ ማሕሙድ ዓብደላ ፋርማጆ፣ ብሰንኪ ቅትለት ሓደ ካብ ኣባላት ሚኒስተራቱ ዑደቱ ኣቛሪጹ ናብ ሞቛድሾ ከምዝተመልሰ ተሓቢሩ።

እቲ ፕረዚደንት፣ ብሮቡዕ 3 ግንቦት ናብ ኣዲስ ኣበባ ድሕሪ ምእታዉ፣ ቤት ጽሕፈቱ ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ፣ ናብ ስነት ስርዓት ናይቲ ኣብ ሞቛድሾ ዝተቐንጸለ ሚኒስተር ንኸርክብ፣ ዑደቱ ኣብ መንጎ ከምዘቋረጸ ኣፍሊጡ።

ሚኒስተር ህንጻ ዓባስ ዓብዱላሂ ሸኽ ሲራጅ፣ ዓጃቢ ናይ ካልእ ሚኒስተር እታ ሃገር ብዝተኮሰሉ ጥይት’ዩ ኣብ ጥቃ ቤተ መንግስቲ እታ ሃገር ተቐቲሉ።

መንግስቲ ሶማል ንቅትለት እቲ ሚኒስተር የጻርዮ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

ወዲ 31 ዓመት ሚኒስተር ዓባስ እቲ ብዕድመ ዝንኣሰ ሚኒስተር እታ ሃገር’ዩ ኔሩ።

ብሰንኪ እዚ ናይ ሚኒስተር ቅትለት ዑደቱ ዘቛረጸ ፕረዚደንት ሶማል ብዛዕባ ህሉው ጸጥታዊ ኩነታት ሶማል፣ ኣበርክቶ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃ ከምኡ ድማ ኣውራ ጠንቕታት ምስሓብ ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ ሓያሎ ክፋላት ሶማል ብዝምልከት ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ሃይለማርያም ደሳለኝን ካልኦት ሰበ ስልጣን እታ ንምዝርራብ’ዩ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣትዩ ኔሩ።

==========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0