ኣብ ኢትዮጵያ መዓስከር ሕጻጽ፣ ብሰንኪ ሞት ሓደ ኢትዮጵያዊ ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ስደተኛታትን ነበርቲ እቲ ከባቢን ወጥሪ ተኸሲቱ

ኣብ ኢትዮጵያ መዓስከር ሕጻጽ፣ ብሰንኪ ሞት ሓደ ኢትዮጵያዊ ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ስደተኛታትን ነበርቲ እቲ ከባቢን ወጥሪ ተኸሲቱ

Radio Erena: 08 June 2015

Refugeecam

ኣብ ኢትዮጵያ መዓስከር ሕጻጽ ዝርከቡ ኤረትራውያን ስደተኛታት ንሓደ ኢትዮጵያዊ ድሕሪ ምቕታሎም ኣብ መንጎ’ቶም ኤርትራዉያንን ነበርቲ ኣብቲ ከባቢ እትርከብ ቁሸትን ከቢድ ምትፍናን ሰፊኑ ከምዘሎ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

እቲ ብቀዳም 6 ሰነ ወጋሕታ ተቐቲሉ ዝተባህለ ኢትዮጵያዊ፣ ናብቲ መዓስከር ብለይቲ ድሕሪ ምእታዉ፣ ብስርቂ ዝጠርጠርዎ ኤርትራውያን ነበርቲ እቲ መዓስከር ብኸቢድ ቀጥቂጦም ብዘውረድሉ ጉድኣት ኣብ ሆስፒታል ምስበጽሐ ከምዝሞተ’ዩ ዘመልክት እቲ ዝበጽሓና ሓበሬታ።

ብሞት እቲ መንእሰያት ዝተጠርጠሩ ቅጽሮም ብልክዕ ዘይተፈልጠ ኤርትራውያን ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ከምዘለዉ ዝሓበሩ እቶም ምንጭታት፣ ህዝቢ እታ ኣብ ጥቃ እቲ መዓስከር እትርከብ ሕጻጽ ዝተባህለ ቁሸት ግና ሕነ ንምፍዳይ ይደናደን ከምዘሎ ኣገንዚቦም።

 

ኣብ መንጎ ነበርቲ እታ ቁሸትን ኤርትራውያን ስደተኛታትን ግጭት ከይውላዕ ካብ ምስጋእ’ውን ብዝሒ ዘለዎም ሚሊሻታትን ኣባላት ፖሊስን ተዋፊሮም ይርከቡ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ኣብ መዓስከር ዓዲ ሓሩሽ፣ ወሪዳ ዝነበረት ባንዴራ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት – UNHCR ደጊማ ከምዝተሰቕለት ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ካብቲ መዓስከር ኣረጋጊጾም።

እታ ባንዴራ ካብቲ መዓስከር ምውራዳን፣ ወከልቲ UNHCR ዝኾነ ንጥፈታት ከየሰላስሉ ብምጽንሖምን፣ ንሓያሎ ኣብቲ መዓስከር ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ሻቕሎት ፈጢርሎም ጸኒሑ’ዩ።

እቶም ኤርትራውያን ኣቐዲሞም ናብ ሬድዮ ኤረና ኣብ ዝልኣኽዎ ሓበሬታ፣ ወኪል UNHCR ኣብ መዓስከር ዓዱ ሓሩሽ፣ ዝነበሮ ባንዴራ ኣውሪዱ ንጥፈታቱ ደው ካብ ዘብል ልዕሊ ሓደ ወርሑ ጌሩ ከምዘሎ ብምጥቃስ፣ ኣብ ኤርትራውያን ስደኛታት ሻቕሎት ፈጢሩ ከምዘሎ ኣመልኪቶም’ዮም።

በብእዋኑ ናብ ኢትዮጵያ ብምእታው ዑቕባ ዝሓተቱ ልዕሊ 80 ሽሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ኣርባዕተ መዓስከራት ስደተኛታት ከምዝተመዝገቡ ጸብጻብ UNHCR ካብ ኣዲስ ኣበባ ይሕብር።

እንተኾነ፣ ናብ ሳልሰትቱ ሃገር ናይ ምጥያስ መስርሕ ብምድንጓዩ ኣብቲ መዓስከር ዝነበሩ ኤርትራውያን፣ ናብ ሱዳንን ካልኦት ጎረባብቲ ሃገራትን እናሰገሩ፣ ሓደገኛ ጉዕዞ ስደቶም ይቕጽሉ።

===================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0