ኣብ ኢትዮጵያ፡ ክልል ኣምሓራ፡ መዓስከር ኣለምዋጭ ኣስታት 22 ሽሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት ተዓቚቦም ይርከቡ

RADIO ERENA:- Thursday , 29 February 2024

ኣብ ኢትዮጵያ፡ ክልል ኣምሓራ ኣብ ዝተደኮነ መዓስከር ኣለምዋጭ፡ ኣስታት 22 ሽሕ ኤርትራውያን ተዓቚቦም ከምዘለዉ፡ ወኪል ላዕለዋይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት– UNHCR ካብታ ሃገር ሓቢሩ።

UNHCR፡ ብ27 ለካቲት፡ ብመንገዲ ትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ እቶም 500 ኣብ ዝተነድቐ መንበሪ ኣባይቲ ክሰፍሩ እንከለዉ፡ እቶም 21ሽሕን 500 ግና ኣብ ቴንዳታት ዘጽለሉ ምዃኖም ገሊጹ።

መዓስከር ኣለምዋጭ፡ ቤት ትምህርቲን ሕክምናን ዝርከቦ መባእታዊ ኣገልግሎታት ይህቡ ከምዘሎ ዝጠቐሰ ሕቡራት ሃገራት፡ እንተኾነ እኹል ቀረባት ንምድላው ኣህጉራዊ ሓገዝ ከምዘድሊ ጸዊዑ።

ኣብቲ መዓስከር፡ ኣብ ትግራይ ካብ ዝተኻየደ ኲናት፡ ኣብቲ ክልል ካብ ዝነበራ ሰለስተ መዓስከራት ዝሃደሙ ኣሽሓት ኤርትራውያን ስድራቤታት ዮም ተዓቚቦም ዝርከቡ።

ኣለምዋጭ፡ ንኤርትራውያን ስደተኛታት ተዛማዲ ውሕስነት ክህቦም ተባሂሉ እኳ እንተተመስረተ፡ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝቕጽል ዘሎ ግጭት ግና ኣሻቒሉ ይርከብ።

ኣብ ሱዳን ካብ ዝቕጽል ዘሎ ግጭት ዝሃደሙን ካብ ኣዲስ ኣበባ ዝተገፈፉን ኣማኢት ኤርትራውያንውን ኣብዚ መዓስከር ተዓቚቦም ምህላዎም ይፍለጥ።

ኣብቲ ከባቢ ዝንቀሳቐሱ ዕጡቓት፡ ነበርቲ እቲ መዓስከር ንዝኾኑ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብፍላይ ቆልዑ ብምጭዋይ፡ ገንዘብ ክሓቱ ይርኣዩዮም።

ስእሊ፦ ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

COMMENTS

WORDPRESS: 0