ኣብ ትግራይ፣ ከቢድ ስንክልና ዘጋጠሞም ኣባላት ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ደንጎሎ ይእለዩ ኣለዉ

Radio Erena: 01 March 2021

ኣብ ትግራይ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ከቢድ ስንክልና ዘጋጠሞም 10ታት ኣባላት ሰራዊት ኤርትራ፣ ኣብ ደንጎሎ ይእለዩ ከምዘለዉ ምንጭታት ኤረና ሓቢሮም።

ብመሰረት እቶም ምንጭታት ዝልኣኽዎ ሓበሬታ፣ ኣብ ትግራይ ተወጊኦም፣ ኣብ ዝተፈላለየ ወትሃደራውን ሲቪላውን ሆስፒታላት ክእለዩ ዝጸንሑ ኣባላት ሰራዊት፣ ዝበዝሑ ነናብ ዝነበርዎ ኣሃዱታት ክፋነዉ እንከለዉ፣ ከቢድ ስንክልና ዘጋጠሞም ድማ ብግዝያውነት ናብ ዝእለይሉ ከባቢ ደንጎሎ ከምዝገዓዙ ኣገንዚቦም።

ኣብ ደንጎሎ፣ ዝርከብ ብሃንገራት ዝተሃንጸ መዓስክር፣ ሓንሳእ ማእከል ስልጠና ሓይሊ ባሕሪ፣ ካልእ እዋን ድማ ቤት ትምህርቲ ፍሉያት ካድርን ኣባላት ስለያን ኮይኑ ከገልግል ዝጸንሐ’ዩ።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0