ኣብ ቦሎኛ ንኽልተ መዓልታት ዝተኻየደ ዋዕላ ኤርትራውያን ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ ብዓወት ተዛዚሙ

ሽግር ኤርትራ ፍታሕ ብኤርትራውያን ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ካብ 31 ነሓሰ ክሳብ 1 መስከረም ኣብ ቦሎኛ ዝተኻየደ ዋዕላ ኤርትራውያን ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ ብዓወት ተዛዚሙ።

 

ኣብቲ ወከልቲ ሓያሎ ፖለቲካውን ውድባት፣ ሰልፍታት፣ ሲቪካውያን ማሕበራትን ውልቀሰባትን ዝተሳተፍዎ ዋዕላ፣ ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ኤርትራ ኣመልኪቱ ዝተፈላለየ ጽሑፋት ከምዝቀረብ’ውን ካብቲ ቦሎኛ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣረዲኡ።

እዚ ኣብ ቦሎኛ ብኤርትራውያን ተወዲቡ ዝተኻየደ ዋዕላ፣ ህዝቢ ኤርትራ ገጢምዎ ዘሎ ናይ ዲክታቶራን ምልክን ጸገም ብዘይምትእትታው ናይ ጎረባብቲ ሃገራት ባዕሉ ንምፍታሕ እኹል ተበግሶም ዓቕምን ከምዘለዎ ዘንጸባርቕ ምንባሩ’ውን ኣብቲ ዋዕላ ዝተሳተፉ ሓደ ሓደ ኤርትራውያን ጠቒሶም።
====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0