ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዝርከቡ ኤርትራውያን መንግስቲ ኤርትራ ንምምላሶም ጻዕርታት ብዘይምግባሩ ነቒፎም

መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ንዝርከቡ ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ዘይብሎም ዜጋታት ንምምላሶም ዝኾነ ጻዕርታት ብዘይምግባሩ ሓያሎ ካብቶም ኤርትራውያን ናብ ሬድዮ ኤረና ኣብ ዝልኣኽዎ መልእኽቲ ይነቕፉ ኣለዉ።

ኣብ ርያድ ዝርከብ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ርእሲ’ቲ ደዊልካ እኹል ሓበሬታ ንምርካብ ዘሎ ጸገም፣ ነቶም ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድን ፓስፖርትን ዘይብሎም ኣብ ጸገም ወዲቖም ዝርከቡ ሓያሎ ዜጋታት፣ ናብ ዓዶም መምለሲ ዝኾኖም ኣብ ክንዲ ፓስፖርት ዘገልግል ግዝያዊ ናይ ይሕለፍ ወረቐት ንኸዳልወሎም’ውን ካብ ዓቕሞም ንላዕሊ ዝኾነ ገንዘብ ይሓቶም ምህላዉ’ዮም ዘማርሩ።

 

ዛጊት ተሓቢኦም ዘለዉ ኤርትራውያን፣ ውዒሎም ሓዲሮም ናብ ዓዶም ምምላሶም ዘይተርፍ ስለኾነ፣ ኣብ ሓደጋ ካብ ምውዳቕ ዝኸፈሉ ከፊሎም ክምለሱ ዝወሰኑ’ውን ብሰንኪ ዘይጽፉፍ ኣሰራርሓ እቲ ኤምባሲ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ክሰልጦም ኣይከኣለን።

ነቶም ድሮ ተገፊፎም ኣብ ሃንገራት ተታሒዞም ዘለዉ ኤርትራውያን’ውን ዝኾነ ኣባል ኤምባሲ ኤርትራ ደሃዮም ከምዘይገበረ እቲ ዝበጽሓና ጸብጻብ የመልክት።

ካብ ናይ ስዑዲ ዓረብ ዜና ከይወጻእና፣ ኢትዮጵያ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ካብ ዝጸንሑ ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ዘይነበሮም ኣስታት 40 ሽሕ ዜጋጋታ ነቶም ኣስታት ፍርቂ ድሮ መሊሳቶም ምህላዋ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

ኣብዛ ዝሓለፈት ሰሙን ጥራት ኣስታት 16,248 ዜጋታት ኢትዮጵያ ናብ ዓዶም ከምዝመለሰ ዝሓበረ እቲ ሚኒስትሪ፣ እቲ መስርሕ ክቕጽል ምዃኑ ገሊጹ።

ስዑዲ ዓረብ ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ዘይብሎም ንዝበለቶም ናይ ወጻኢ ሰራሕተኛታት ምግፋፍ ኣብ ዝጀመረትሉ ሰለስተ ኢትዮጵያ ክቕተሉ እንከለዉ 10ታት ድማ ከምዝቖሰሉ ኣይርሳዕን።

=============================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0