ኣብ ሱዳን ዝመደበቶ ወትሃደራዊ መዓስከር መሰናኽል ዘጋጠማ ሩስያ፣ ምስ ጂቡቲ ትዝቲ

Radio Erena: 17 June 2021

ሩስያን ጂቡቲን፣ ኣብ ሓያሎ ጉዳያት ዘተኮረ ዘተ ኣካይደን።

እዘን ክልተ ሃገራት፣ ኣብ ንግዲ፣ ወፍሪ፣ ቁጠባ፣ ሕርሻን ካልእን ዘተኮረ ዘተ ከምዘካየዳ ዝተገልጸ፣ ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ፣ መሓመድ ዓሊ ዮሱፍ ዝምራሕ ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ጁቡቲ ናብ ሩስያ ኣብ ዝበጽሓሉ’ዩ።

ንጂቡታዊ መዘንኡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ሞስኮ ዘተኣናጋደ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ሰርጌ ላቭሮቭ፣ ዝምድና ክልትኤን ናብ ጥርዙ ንምብጻሕ ብወገን ሩስያ ድሌት ከምዘሎ ገሊጹ።

ሓያሎ ኩባንያታት ሩስያ ኣብ ጂቡቲ ወፍሪ ንምክያድ ድሌት ከምዘለወን ዝገለጸ እቲ ሚኒስተር፣ ሃገሩ ምስ ሃገራት ኣፍሪቃ ዘለዋ ዝምድና ብምትራር፣ ኣብ ብዙሕ መዳያት ክትተሓባበር ከምእትደሊ ኣፍሊጡ።

ሚኒስተራ ጉዳያት ወጻኢ ሩስያን ጂቡቲን ዘተ ዘካየዱ፣ ሩስያ ምስ ስርዓት በሺር ብምስምማዕ፣ ኣብ ሱዳን፣ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ክትሃንጾ ዝመደበት መደብር ሓይሊ ባሕሪ፣ ብወገን መሰጋገሪ መንግስቲ ሱዳን ብድሆ ገጢምዎ ኣብ ዘለወሉ እዋን’ዩ።

ሩስያ፣ ነቲ ኣብ ሱዳን ክትሃንጾ ዝመደበት ሓይሊ ባሕሪ፣ ናብ ካልኦት ሃገራት እቲ ዞባ ናይ ምስግጋር ድሌት ከምዘለዋ ወትሃደራውያን ተንተንቲ ክገልጹ ቀንዮም’ዮም።

እታ ሃገር፣ ነታ ምስ ሃገራት ምዕራብ ምቅዳው ዘይብላ ኤርትራ፣ ብቀዳምነት ዓይና ከምዘንበረትላ ‘ውን ጠቒሶም።

ኣብ ጂቡቲ፣ መዓስከራት ኣመሪካ፣ ፈረንሳን ቻይናን ክህሉ እንከሎ፣ ሩስያ ድማ ኣብ ግዜ ሕብረት ሶቬት ዝነበራ ጽልዋ ናብቲ ዞባ ክትመለስ ከምእትደሊ ብተደጋጋሚ ክትገልጽ ጸኒሓ።

ኣብ ሱዳን፣ መደበር ሓይሊ ብሕሪ ንምህናጽ ኣብ 2017 ምስ ስርዓት ኣልበሺር ኣብ ስምምዕ እኳ እንተበጽሐት፣ ድሕሪ ውድቀት እቲ ስርዓት ስልጣን ሒዙ ዝርከብን ዝምድንኡ ናብ ኣመሪካን ሃገራት ኤውሮጳን ኣዛዝዩ ዝርከብን መሰጋግሪ መንግስቲ ሱዳን፣ ነቲ ስምምዕ ዳግመ ግምት ክገብረሉ ምዃኑ ኣፍሊጡ’ዩ።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0