ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ሓንቲ ጃልባ ብምጥሓላ 47 ስደተኛታት ሞይቶም

ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ሓንቲ ጃልባ ብምጥሓላ 47 ስደተኛታት ሞይቶም

Radio Erena : 17 April 2015

47imm

ዋሕዚ ስደተኛታት ካብ ንቡር ንላዕሊ ገኒንሉ ኣብ ዘሎ እዋን፣ ትማሊ ሓንቲ ጃልባ ብምጥሓላ 47 ሰባት ከምዝሞቱ ማዕከናት ዜና ኢጣልያ ሓቢረን።

ኣብዘን ዝሓለፈ 6 መዓልታት ጥራይ ኣስታት 10 ሽሕ ስደተኛታት ዝጸዓና 40 ዝኾና ጀላቡ ካብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ድሕሪ ምብጋሰን ብሓይሊ ባሕሪ ኢጣልያ ክድሕና እንከለዋ ክልተ ድማ ጥሒለን።

ኣቐዲማ ዝጠሓለት 400 ስደተኛታት ዝጸዓነት ጃልባ ዜጋታት ኤርትራ፣ ኢትዮጵያ፣ ሶማልን ሶርያን ከምዝነበርዋ’ዩ ዝንገር ዘሎ።

 

ኣብ ካልእ ፍጻሜ ድማ፣ ብጃልባ ካብ ዝጎዓዙ ዝነበሩ ስደተኛታት፣ 15 ኣመንቲ ምስልምና ኮነ ኢሎም ን12 ኣመንቲ ክርስትና ናብ ባሕሪ ከምዝጥሕሉ ብምግባሮም ኣብ ኢጣልያ ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተዉ ቢቢሲ ሓቢሩ።

እቶም ብኣመንቲ ምስልምና ናብ ባሕሪ ተደርብዮም ዝጠሓሉ 12 ሰባት ዜጋታት ናይጀርያን ጋናን ምዃኖም እቲ ናይ ቢቢሲ ጸብጻብ ይጠቕስ።

========================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0