ኣስመራ ብፍላይ ኣኽርያ፣ ኣብ ትሕቲ ጽኑዕ ሓለዋ ከምዘላ ተገሊጹ

Radio Erena: 20 May 2019

ኣብ ኣስመራን ከባቢኣን ብዝሒ ዘለዎ ሰራዊት ኣብ ሓለዋ ተዋፊሩ ከምዘሎ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

ብፍላይ ኣብ ኣኽርያ፣ ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝርአ ዝነበረ ብዝሒ ሰራዊት፣ ፈቐዶ ኣንጎሎታት ደው ኢሉ ኣብ ሓለዋ ይርከብ።

ማሺንጋን ዝተሰቕለን ፒክ-ኣፕ ዝዓይነትን መካይን’ውን፣ እናተንቀሳቀሳ ኣብ ሓለዋ ተዋፊረን ከምዘለዋ እቶም ምንጭታት ብተወሳኺ ጠቒሶም።

እቲ ሓለዋ ብዝያዳ ኣብ ኣኽርያ ዝጸዓቐሉ ምኽንያት ንጹር እኳ እንተዘይኮነ፣ ተደጕሉ ዝርከብ ተማሃሮ ዲያእ ኣል እስላምያ ኣብ ጥቅምቲ 2017 ዘካየዶ ተቓውሞ፣ ከይጎሃሃር ካብ ምስጋእ’ዩ ዝብል ግምታት ይወያቦ።

ኣብዚ 20 ዓመታት፣ ኣብ እዋን 24 ግንቦት መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ፣ ብዝሒ ግፋን ሓለዋን ከም ንቡር ተወሲዱ’ዩ ዝበሉ እቶም ምንጭታት፣ እዚ ሕጂ ዝርአ ዘሎ ምውፋር ብዝሒ ሰራዊት ግን ምስቲ ናይ “ይኣክል” ምንቅስቓስ፣ ተቓውሞታት ከይለዓዓል፣ መንግስቲ ካብ ዝሓደሮ ስግኣት ዝነቐለ’ዩ ክብሉ ኣብሪሆም።

ብናህሪ ዝካየድ ዘሎ ናይ “ይኣክል” ምንቅስቓስ፣ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ’ውን ሓያሎ ጽልዋ ፈጢሩ፣ ኣብ መናድቅን ብምሕንጣጣን ጽሑፋት ብምዝርጋሕን ንመንግስቲ ኣብ ሻቕሎት የእትይዎ ከምዘሎ ክዝረበሉ ጸኒሑ’ዩ።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar
    Yekalo and Warssay 5 years ago

    This is cheap propaganda of Radio ERENA I think GOE afraid of ERENA member’s penetrating from France to Asmara. KKKKKKKKKKKKKKKK