ደቡብ ሱዳን፣ ደሃይ ዘጥፍኡ 40 ዲፕሎማሰኛታቱ ሰጕጉ

Radio Erena: 20 May 2019

መንግስቲ ደቡብ ሱዳን፣ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ተመዲቦም ዝጸንሑ 40 ዲፕሎማሰኛታት ካብ ስራሕ ከምዝሰጎጎት ኣፍሊጡ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር፣ ዝሓለፈ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ እቶም ኣብ ኣመሪካ፣ ብሪጣንያን ካልኦት ሃገራት ተመዲቦም ዝነበሩ ዲፕሎማሰኛታት ክስጎጉ ዝወሰነሉ ምኽንያት፣ ካብ ኣዋርሕ ክሳብ ንዓመታት፣ ኣብ ግቡእ ስርሖም ክርከቡ ብዘይምኽኣሎም’ዩ።

እቶም ዲፕሎማሰኛታት፣ ናብ ሃገሮም ክምለሱ ንዝቐረበሎም ጻውዒት’ውን እወታዊ ምላሽ ስለዘይሃቡ፣ መንግስቲ ደቡብ ሱዳን፣ ብእኩብ ናይ ምስጓጎም ስጉምቲ ከምዝወሰደ እቲ መግለጺ የመልክት።

ኣፈኛ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ደቡብ ሱዳን ምዋየን ማኮል ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፣ ስም ዝርዝር ናይቶም ደሃይ ብዘይምግባሮም ተሰጕጎም ዘለዉ ዲፕሎማሰኛታት ናብ ናብ ህዝቢ ቃልዕ ኮይኑ ከምዘለዉ ኣፍሊጡ።

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0