ሓዉ ንፕረዚደንት ሱዳን ነበር ብሓገዝ ስለያ ኢትዮጵያ ናብ ቱርኪ ሃዲሙ

Radio Erena: 21 May 2019

ሓዉ ንፕረዚደንት ሱዳን ነበር ዑመር ሓሰን ኣልበሽር፣ ብሓገዝ ስለያ ኢትዮጵያ፣ ካብ ሱዳን ሃዲሙ ናብ ቱርኪ ከምዝኣተወ ንኣፈኛ መሰጋገሪ ወትሃደራዊ ባይቶ ብምጥቃስ ማዕከናት ዜና ሓቢረን።

እቲ ዓባስ ሓሰን ኣል በሺር ዝተባህለ ሓዉ ንፕረዚደንት ሱዳን ነበር፣ ድሕሪ ምውዳቕ እቲ ስርዓት ኣብ 11 ሚያዝያ ብኡ ንብኡ ብመንገዲ ገዳርፍ ናብ ኢትዮጵያ ከምዝሃደመ’ዩ ተገሊጹ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ሓዉ ንበሺር ዝርከቦም ሓያሎ ናብታ ሃገር ዝሰለኹ ሰባት፣ ናብ ካርቱም ከረክቦም መሰጋገሪ ወትሃደራዊ ባይቶ ሱዳን እኳ እንተጸውዐ፣ ስለያ ናይቲ መንግስቲ ግና ብስትርቲ መኪና ናብ ኣዲስ ኣበባ ድሕሪ ምግዓዝ፣ ናብ ቱርኪ ከምዘፋነውዎ’ዩ ዝወቅስ።

ንሱዳን ን30 ዓመታት ዝመርሐ ዑመር ሓሰን ኣል በሺር 5 ኣወዳት ኣሕዋት ዘለዉዎ ኮይኖም፣ ዓብደላ ሓሰን ኣል በሽር ዝተባህለ ሓደ ካብኣቶም ጥራይ’ዩ ምስ ሓዉ ኣብ ቀይዲ ዝርከብ።

ብመንገዲ ኢትዮጵያ ናብ ቱርኪ ከምዝሃደመ ዝንገረሉ ዘሎ ዓባስ ሓሰን ኣል በሺር፣ ኣብ ሓያሎ ወፍርን ንግድን እታ ሃገር ዝነጥፍን ብብልሽውናን ምጥፍፋእ ሚሎዮናት ዶላራት’ዩ ዝኽሰስ።

ን10ታት ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሑ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ንኣሕዋቶም፣ ንደቆምን ናይ ቀረባ ቤተ ሰቦምን፣ ኣብ ዘይግብኦም ስልጣን፣ ፖለቲካ፣ ወፍሪን ግድን ዝኣመሰል ብልሽውና ከምዘዋፍርዎም ይፍለጥ።

ድሕሪ ምፍንቃል እቶም መራሕቲ፣ ሓያሎ ኣባላት ቤተ ሶቦም፣ ግዳያት ሞት ማእሰርትን ስደትን ክኾኑ’ዮም ዝርኣዩ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0