ኣስመራ፣ ንህዝባዊ መጓዓዝያ ተኪኤን ዝጸንሓ ካሮሳ ምኽልካለን ዝተወጽዑ ሕሙማን ተሓዚሎም ናብ ሕክምና ይመላለሱ ምህላዎም ተገሊጹ

Radio Erena: 04 January 2021

ኣብ ኣስመራ፣ ለበዳ ኮረና ቫይረስ ንምግታእ ብዝብል፣ ንልዕሊ 9 ኣዋርሕ ህዝባዊ መጓዓዝያን ታክሲን ደው ድሕሪ ምባለን፣ ከም መተካእታ ኣገልግሎት ክህባ ዝጸንሓ ካሮሳ፣ ዓረብያ ፈረስን ሰለስተ እግረን ብሽክለታን ተኸልኪለን።

ዝተኸልከላሉ ምኽንያት ምስዚ ዳግም ጸኒዑ ዘሎ ሓድሽ መምርሒ ምዕጻው’ዩ።

ዓረብያ ፈረስ፣ ንሸመታን መጓዓዝያ ህዝቢን ጥራይ ዘይኮነ፣ ሕሙማንን ነብሰጾራትን’ውን ናብ ኣብያተ ሕክምና ከመላልሳ ጸኒሐን’የን።

መንግስቲ ብዘውጽኦ መምርሒ መሰረት፣ ጉዳይ ምምልላስ ሕሙማ ብሚኒስትሪ ጥዕና ተታሑዙ ከምዘሎ እኳ እንተገለጸ፣ ዛጊት ዝወሃብ ኣገልግሎት ብዘይምህላዉ ግና፣ ሕሙማት ኣብ ዝባን ሓዚልካ ናብ ሕክምና ምምልላስ ብብዝሒ ዝርኣየሉ ኩነታት’ውን ከምዘሎ ነዚ ሓበሬታ ዝልኣኹ ምንጭታት ሓቢሮም።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ካብ ናይ ወረቐት ሕትመት ደው ኢላ ዘላ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ፣ ንኣስታት ሰለስተ ኣዋርሕ ብኢንተርነት ኣርባዕተ ገጻት ጥራይ ሒዛ ክትዝርጋሕ ድሕሪ ምጽናሕ፣ ምስዚ ሓድሽ መርምርሒ ምዕጻው፣ ካብ ኢንተርነት’ውን ደው ኢላ ኣላ።

ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ፣ ነዚ ዝሓለፈ 20 ዓመታት፣ 12 ገጻት ጥራይ ሒዛ ክትሕተም ዝጸንሐት፣ ልሳን መንግስቲ ዝኾነት እንኮ ጋዜጣ’ያ ኣብ ኤርትራ’ያ።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar
    ቀላቲ 3 years ago

    ካብ ህግደፍ ዝከፍእ ሕማም ኣይንፈልጥን