ኢትዮጵያ፣ ካብ ወጻኢ ዝተለቅሓቶ ኣስታት 29 ቢልዮን ዶላር ውህሉል ዕዳ ከምዘለዋ ኣፍሊጣ

Radio Erena: 04 January 2021

ኢትዮጵያ፣ በብግዜኡ ካብ ዝተፈላለያ ፊናንስያውያን ትካላትን ሃገራትን ክትልቅሖ ዝጸንሐት፣ ኣስታት 29 ቢልዮን ዶላር ውህሉል ዕዳ ከምዘለዋ ሚኒስትሪ ገንዘብ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።

እቲ ሚኒስትሪ ኣብ መግለጺኡ፣ ጠቕላላ ዕዳ ኢትዮጵያ፣ 54.7 ቢልዮን ዶላር ምዃኑ ብምጥቃስ፣ እቲ 28.99 ቢልዮን ዶላር ናይ ወጻኢ ዕዳ ክኸውን እንከሎ እቲ 25,71 ቢልዮን ዶላር ድማ፣ መንግስቲ ካብ ሃገራዊ ባንክ ዝተለቅሖ’ዩ።

ውህሉል ዕዳ ኢትዮጵያ፣ ልዕሊ ፍርቂ ጃምላዊ እቶት እታ ሃገር ከምዝሽፍን’ዩ ዝግለጽ።

ንነዊሕ ዓመታት ሓንቲ ካብ ድኻታት ሃገራት ዓለም ኮይና ዝጸንሐት ኢትዮጵያ፣ ኣብዚ ዝሓለፈ 20 ዓመታት፣ ቅልጡፍ ቁጠባዊ ዕብየት ከርእያ ካብ ዝጸንሓ ሃገራት’ያ ኔራ።

እንተኾነ፣ ዝበዝሐ ናይቲ ንቁጠባዊ ዕብየታ መበገሲ ዝኾነ ምንጪ ካብ ከም በዓል ቻይና ዝተረኽበ ቢልዮናት ዶላር ልቃሕ ብምዃኑ፣ እታ ሃገር ካልእ ብድሆ ክጽበያ ምዃኑ ተንተንቲ ቁጠባ የጠንቅቑ።

ብዘይካ’ዚ ብደረጃ ዓለም ተላቢዑ ዘሎ ኮረና ቫይረስን ዝተፈጠሮ ቁጠባዊ ቅልውላውን፣ ኢትዮጵያ ድማ ብኹሉ ሸነኻታ ኣብ ናይ ብሄርርን ካልእን ግጭታት ተሸሚማ ስለእትርከብ፣ ዕዳኣ ንኽፋል ክሕግዛ ዝኽእል ናይ ወጻኢ ወፍሪ ኣብ ሓደጋ ወዲቁ ይርከብ።

ኢትይጵያ እትርከበን ገዚፍ ዕዳ ዘለወን ድኻታት ሃገራት፣ ዕደአን ካብ ወለድ ናጻ ኮይኑ ተወንዚፉ ክጸንሕን ካልእ መሕወዪ ቁጠባ ሓገዝ ክግበረለንን፣ ለበዳ ኮረና ቫይረስ ድሕሪ ምኽሳቱ ንባንክ ዓለም ሓቲተን’የን።

ባንክ ዓለም’ውን ብዙሕ ሕድገታት ከምዝገበረ እኳ እንተገለጸ፣ ካብ ወለድ ተወንዚፉ ዝርከብ ዕዳ’ውን እንተኾነ ኣብ ዝባን እተን ተለቃሕቲ ከምዝጸንሐ’ዩ ተመልኪቱ።

መብዛሕቱ እቲ ናይ ኢትዮጵያ ዕዳ ኣብ ውሽጢ 15 ዓመታት ክኽፈል ዝነበሮ’ዩ።

ኢትዮጵያ፣ ግዳይ ናይ ኣስታት 29 ቢልዮን ዶላር ኮይና ዘላ፣ ቻይና፣ ኣብዚ ሓጺር ዓመታት ብዘይቅድመ ኩነታ ብዝሃበታ ልቓሕን፣ ብልቃሕ ባዕላ ቻይና እትሃንጾ ዘላ ዝተፈላለየ ናይ ልምዓት መደባት’ዩ።

ሓደ ካብዚ ብልቃሕ ዝህንጽ ዘሎ ናይ ልምዓድ መደባት፣ ኣብ ኩሉ ኩርንዓት እታ ሃገር ክህሀንጽ ዝጸንሐ፣ ናይ ኢንዱስትሪ ፓርክታት እኳ እንተኾነ፣ እታ ሃገር ኣብ ከቢድ ናይ ብሄር ግጭታት ተሸሚማ ምስ ምህላዋ፣ እዚ ብኣማኢት ሚልዮናት ዶላር ዝህነጽ ዘሎ ፓርክታት፣ ቁልሕ ዝብልዎ ናይ ወጻኢ ኣውፈርቲ ክስእን ተኽእሎ ምህላዉ ይግለጽ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0