ኣፍሪቃዊ ናጻ ናይ ንግዲ ዞባ ብወግዒ ተኣዊጁ

Radio Erena: 03 January 2021

ብምኽኒያት ኮቪድ 19 ተደናጉዩ ዝጸንሐ ኣፍሪቃዊ ናጻ ናይ ንግዲ ዞባ ብወግዒ ተኣዊጁ።
እዚ ንኤርትራ ጥራይ ዘይጸምበረ ኩለን ሃገራት ኣፍሪቃ ዝሓቖፈ ናጻ ናይ ንግዲ ዞባ፣ ድሕሪ ምምስራት ማእከል ንግዲ ዓለም (World Trade Center) እቲ ዝዓበየ ናይ ንግዲ ዞባ እዩ።
ብዓርቢ ባሕቲ ጥሪ ብወግዒ ዝተኣወጀ ኣፍሪቃዊ ናጻ ናይ ንግዲ ዞባ፣ ን1.3 ቢልዮን ህዝቢ ኣፍሪቃ ዝሓቖፈ ክኸውን እንከሎ፣ ልዕሊ 3.4 ትሪልዮን ዶላር ንግዳዊ ምንቅስቓስ ክህልዎ እዩ።
እዚ ናጻ ናይ ንግዲ ዞባ ከምቲ ዝተመደበሉ እንተሰሪሑ፣ ኣብ 2035 ብሚልዮናት ዝቑጸር ህዝቢ ኣፍሪቃ ካብ ድኽነት ክናገፍ ምዃኑ፣ ኣህጉራዊ ማዕከን ገንዘብ ኣመታቱ ይህብ።
ዓበይቲ ንግዳዊ ንጥፈታት ናብ ጎረባብቲ ዘካዪዳ ከም ናይጀሪያ ዝኣመሰላ ሃገራት ቁጠባዊ ረብሓታተን ከመይ ከምዝጽሎ ንምርግጋጽ ኣብቲ ዞባ ድሒረን እየን ተጸምቢረን። ኤርትራ ግና፣ መጽናዕቲ ንገብረሉ ኣለና ካብ ምባል ሓሊፋ ኣብቲ ናጻ ናይ ንግዲ ዞባ ዘይተጸምበረትሉ ምኽኒያት ኣገለጸትን።
ሃገራት ኣፍሪቃ ዘለወን ጸገም ውሽጣዊ ምሕደራ፣ ኲናት ሓድሕድ፣ ዘይብቑዕ ትሕተ ቅርጺ ዝኣመሰሉ መሰናኽላት፣ ናጻ ናይ ንግዲ ዞባ ንምምስራት ዘኽእለን ብቕዓት ገና ኣየጥረያን ዝብል ጥርጣረታት ብሓያሎ ወገናት ይስማዕ እኳ እንተሎ፣ እዚ ተበጺሑ ዘሎ ደረጃ መበገሲ ኮይኑ ብሕጂ ክዕመም ዘለዎ ስራሕ ብዙሕ ምዃኑ ሰበስልጣን’ቲ ምትእኽኻብ ንማዕከናት ዜና ሓቢሮም።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0