ኣስመራ፣ ብምውላ ሕብረት ኤውሮጳ ንክልተ ዓመታት ዝሰልጠና26 ጽሙማን ደቂንስትዮ ተመሪቐን

RADIO ERENA – Friday, 08 March 2024

ኣብ ኤርትራ፣ ብምወላ ሕብረት ኤውሮጳ፣ ንኣስታት ክልተ ዓመታት ብዝተፈላለየ ስነ ጥበብን ኢደ ስርሓትን ክስልጣን ዝጸንሓ 26 ጽሙማን ደቂንስትዮ ተመሪቐን።

እተን ደቂንስትዮ፣ ብ27 ለካቲት፣ ኣብ ኣስመራ ኣብ ዝተመረቓሉ፣ ብኣካል ተረኺቡ ምስከር ወረቐትን ዲፕሎማን ዝዓደለ፣ ኣምባሳደር ሕብረት ኤውሮጳ፣ ጂያን ሉካ ግሪፓ፣ ኣውራ ዕላማ እቲ ሕብረት ዝመወሎ ስልጠና፣ ምሕያል ደቂንስትዮን ርእሰ ክኽእላ መሰል ከምዘለወን ንምጉላሕን ምዃኑ ገሊጹ።

እቲ ነተን ኣብ ክሊ ዕድመ 18 ክሳብ 35 ዝርከባ ናይ ምስማዕ ስንክልና ንዘለወን ደቂንስትዮ ዝተዋህበ ስልጠና ብሰገን ጉጅለ ጥበብ ዝተመርሐ ኮይኑ፣ኣብ ቅብኣ፣ ንድፊ፣ ስእሊ፣ ቅዲ ስፌትን ካልእን ዘጠቓለለ ምንባሩ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ መርበብ ሓበሬታኡ ኣስፊሩ ይርከብ።

ንመንግስቲ ኤርትራ ዝህቦ ዝነበረ ፊናንስያውን ልምዓታዊ ሓገዛት ደው ኣቢሉ ዝርከብ ሕብረት ኤውሮጳ፣ ኣብ ኤርትራ ኣብ ጸዓት፣ ዕቃበ ኣከባቢን ምምዕባል ዓቕሚ ሰብን ዝኣመሰለ ፕሮጀክታት ግና ይምውል ምህላዉ ይፍለጥ።

መንግስቲ ኤርትራውን ነዞም ብሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ኤርትራ ዝተሰላሰሉ ይኹን ዝሰላሰሉ ዘለዉ ፕሮጀክታት፣ ብማዕከናት ዜናኡ ከቓልሕ ኣይርአንዩ።

ስእሊ፦ @EUDEL

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0