ኣስመራ፣ መስሕብ በጻሕቲ ሃገራት ንምግባራ፣ ሓድሽ ውጥናት ይዳሎ ኣሎ

Radio Erena: 08 October 2019

ኣስመራ፣ መስሕብ በጻሕቲ ሃገራት ንምግባራ፣ ሓድሽ ውጥናት ይዳሎ ከምዘሎ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

ሓደ ካብዚ ውጥናት እዚ፣ ናብ ኣስመራ፣ ባጽዕን ከረንን ጥራይ ንዝንቀሳቐሱ በጻሕቲ ሃገራት፣ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ቪዛ ክወሃቦም ዝብል’ዩ።

ናብ ኤርትራ ዘእትዉ ቪዛ ንምሕታት፣ ኣብ ኤምባሲታት ኤርትራ ካብ ክልተ ሰሙን ክሳብ ክልተ ወርሒ ዘጸቢ’ዩ።

ብኢጣልያ ዝተሃንጸት ከተማ ኣስመራ፣ ብዘለዋ ናይ ኣርትዴኮ ጥንታዊ ቅርጽታት፣ ኣብ መዝገብ፣ ዪኔስኮ ከምዝሰፈረት ዝፍለጥ’ዩ።

እዛ መስሕብ በጻሕቲ ክትከውን ተስፋ ዝግበረላ ከተማ ኣስመራ፣ ኣብዚ ዝሓለፈ 15 ዓመታት፣ በብእዋኑ ብዘጋጥማ ዘሎ ዋሕዲ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ጽሩይ ዝስተ ማይን ኤሌክትሪክን፣ ስእነት መሰረታዊ ሃለኽቲ ነገራትን ናህሪ ዋጋታት ክራይን መንበሪ ኣባይትን ተደሚርዎ፣ ነበርታ መሪር ህይወት የሕልፉ ከምዘለዉ ዝፍለጥ’ዩ።

ኣስመራ፣ ብዙሕ ዕብየት ካብ ዘየርኣያ ከተማታት ኣፍሪቃ እናተባህለት’ያ ትግለጽ።

ናብ ብዙሕ ከተማታት ዓለም ናይ ምብጻሕ ዕድል ዝረኸቡ ድማ፣ ኣስመራ ብጽምዋ ዝተዋሕጠት ከተማ ይብሉዋ።

ይኹን’ምበር፣ ኣብ ኤርትራ ካብ ዘለዋ ከተማታት ብተዛማዲ እታ ዝሓሸ ኣገልግሎታት ዘለዋ’ያ።

ብደረጃ ሃገራት ዝተኻየደ ወግዓዊ ቆጸራ ህዝቢ እኳ እንተዘየለ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ፣ ኣብ ኣስመራን ከባቢኣን ኣስታት 400 ሽሕ ነበርቲ ኣለዉ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ኣምባሳደር መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ፈረንሳ ዝነበረት ሃና ስምኦን፣ ከንቲባ ከተማ ኣስመራ ክትከውን ተረቑሓ ምህላዋ ምንጭታት ኤረና ሓቢሮም።

እታ ኣምባሳደር፣ ካብ ፓሪስ ድሕሪ ምስሓባ፣ ክትድስክል ድያ ናብ ካልእ ጽፍሒ ክትሰጋገር፣ ኣብ ትጽቢት’ያ ጸኒሓ።

ካብ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ብዝተዋህባ ደብዳቤ ድማ፣ ከንቲባ ከተማ ኣስመራ ንምዃን ተረቑሓ ኣላ።

 

ስእሊ፣- ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0