ኣረሜናዊ ጉጅለ ዳዒሽ ናይ ሊብያ፣ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ 86 ኤርትራውያን ስደተኛታት ጨውዩ፣ ክልተ ቀቲሉ

ኣረሜናዊ ጉጅለ ዳዒሽ ናይ ሊብያ፣ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ 86 ኤርትራውያን ስደተኛታት ጨውዩ፣ ክልተ ቀቲሉ

Radio Erena : 05 June 2015

ISISkiller

ኣረሜናዊ ጉጅለ ዳዒሽ ናይ ሊብያ፣ 12 ደቂንስትዮ ዝርከብኦም 86 ኤርትራውያን ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ጨውዩ ከምዝወሰዶም ካብቲ ናይ ምጭዋይ ሓደጋ ዝደሓኑ ኤርትራውያን ንሬድዮ ኤረና ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ ኣረጋጊጾም።

እቶም 86 ኤርትራውያን፣ ናብ ከተማ ትሪፖሊ ቅድሚ ምእታዎም ኣስታት 50 ኪሎሜተር ርሒቑ ኣብ ዝርከብ ኡምወሊድ ኣብ ዝተባህለ ቦታ፣ ሮቡዕ 3 ሰነ ወጋሕታ ብዳዒሽ ድሕሪ ምትዝሓዞም ኣብዚ እዋን’ዚ ናብይ ከምዝተወስዱ ኣይተፈልጠን።

 

ምስቶም ስደተኛታት ብካልእ መኪና ተበግሲኦም ካብቲ ናይ ምጭዋይ ሓደጋ ዝደሓኑ ኤርትራውያን፣ ሃለዋት ብጾቶም ንምፍላጥ ይጽዕሩ ምህላዎም’ውን ሓቢሮም።

ኣብ ካልእ ፍጻሜ’ውን እቲ ኣረሜናዊ ጉጅለ ናውፍልያ ኣብ ዝተባህለ ከባቢ ክልተ ኤርራውያን ስደተኛታት ከምዝቀተለን ንሓደ’ውን ብጥይት ከምዘቝሰለን ተሓቢሩ።

እቲ ብዳዒሽ ዝቖሰለ ኤርትራዊ ኣብ ኣብ መንገዲ ተደርብዩ ድሕሪ ምጽናሕ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ሆስፒታል ይርከብ።

ኣረሜናዊ ጉጅለ ዳዒሽ ናይ ሊብያ፣ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ዜጋታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝርከብዎም 30 ስደተኛታት እመንቲ ክርስትና ብዘስካሕክሕ ግፍዒ ከምዝቀትሉ ኣይርሳዕን።

ክቡራት ተኸታተልትና፣ ምስ ሓደ ካብቶም ካብዚ ናይ ዳዒሽ ምጭዋይ ንስክላ ዘምለጡ ኤርትራውያን ሓጺር ቃለ ምልልስ ኣካይድና ኣሎና። እንተኾነ ኣብ ዘይውሑስ ቦታ ስለዝርከብ፣ ናብ ከነቃልሖ ብዘይምኽኣልና ይቕሬታ ንሓትት።

===============================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0